ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝኾኑ ተወላዶ ትግራይ ሰልፊ አካይዶም


ማሕበር ስቪል ማሕበረሰብ ሰብ ሕድሪ ዝሓለፈ ሰንበት ጥቅምቲ 18 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም ዘተሓባበሮ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ተካይዱ ነይሩ፡፡ ኣቦመንበር ቦርድ እቲ ማሕበር መምህር መሓሪ ዮውሃንስ ዕላማ እቲ ሰልፊ ዝበልዎ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ዝምሃሩ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ኮይኖም ብፍርሒ ተዋሒጦም ፣ ሎሚ ቀተሉና ፅባሕ ቀተሉና እናበሉ ስነ ኣእምሮኣዊ ፀቅጢ ፈጢሩሎም ምምሃር ውፅኢት ስለዘይብሉ ኣብ ዓዶም ክመሃሩ ይግባእ፡፡ ብፍላይ ሰላም ዘይሰፈነን ልዕልነት ሕገ መንግስት ዘይተረጋገፀለን ክልላት ብፈላይ ናብ ኣምሓራ ክልል ኪድ ተማሃር ኢልካ ምስዳድ ፍትሓዊ ኣይኮን ፡፡ ስለዚ መንግስት ኣብ ዓዶም ዝመሃሩሉ ኩነታት ከመዓራርዩ ይግባእ ይብሉ፡፡

ኣብ ሚንስተር ትምህርቲ ዳይረክተር ኮሚኒኬሽን ወይዘሮ ሃረጉዋ ማሞ ብወገነን ከም መንግስትን ኣካላት ዩኒቨርስትን ክስራሕ ዝግብኦ ስራሕን እኩል ምድላውን ስለዝተገበረ ብሰላማዊ መንገዲ ከይዲ ምምሃር ምስትምህር ከምዝቅፅል ይዛረባ፡፡ ምክንያቱ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብፌደራል መንግስቲ እየን ዝመሓደራ፡፡ ስለዚ ፌደራል ዘማሕድረን ላዕለዎት ትካላት ሰላመንን ህልውና ተማሃሮን ናይ ምሕላው ሓላፍነት ስለዘለዎም ብዝግባእ ሰሪሕናሉ እና ዝፍጠር ፀገም የለን ይብላ፡፡

ኣብቲ ሰልፊ ዝረከብኩዎ ጓል ኣንስተይቲ ተማሃሪት ድማ ንሓደ መዓልቲ ብሰላም ክትሓልፈሉ ዘይትክእል ክልል ን4 ዓመታት ኪድ ተማሃር ምባል ከቢድ እዩ ትብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝኾኑ ተወላዶ ትግራይ ሰልፊ አካይዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:05 0:00

XS
SM
MD
LG