No media source currently available
ማሕበር ስቪል ማሕበረሰብ ሰብ ሕድሪ ዝሓለፈ ሰንበት ጥቅምቲ 18 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም ዘተሓባበሮ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ተካይዱ ነይሩ፡፡ ኣቦመንበር ቦርድ እቲ ማሕበር መምህር መሓሪ ዮውሃንስ ዕላማ እቲ ሰልፊ ዝበልዎ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ዝምሃሩ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ኮይኖም ብፍርሒ ተዋሒጦም ፣ ሎሚ ቀተሉና ፅባሕ ቀተሉና እናበሉ ስነ ኣእምሮኣዊ ፀቅጢ ፈጢሩሎም ምምሃር ውፅኢት ስለዘይብሉ ኣብ ዓዶም ክመሃሩ ይግባእ፡፡