ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ዝትአሰሩ ክፍትሑን ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክለዓል ብዝብል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣምቦ ዝተኣሰሩ ዝበሉዎም ተማሃሮ ንክፍትሑን ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ክልዓልን ብምሕታት ሎማዕንቲ ሓሙስ ሰልፊ ከምዘካይዱ ተፈሊጡ።

ወታደራት ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተኮሱን ብበትሪ ከምዝቐጥቀጡዎምን ዝተጎድኡ እውን ከምዘለውን ስሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ተማሃሮ ሓቢሮም።

ናይቲ ዩኒቨርስቲ ምኽትል ፕረዚደንት ሲስተር ሙሉ ካባ ዝተኣሰሩ ተማሃሮ ምህልዎም ከምዝሰምዓ ይኹን እምበር እቲ ዝርዝር ከምዘይፍልጥኦ ንክፍሊ ኦሮሞኛ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፀን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG