ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተማሃሮ ኣይቨሪኮስት ናብ ኣብያተ ትምህርቶም ምምላሶም ተገሊጹ


ተማሃሮ ኣይቨሪኮስት ድሕሪ ብሰንኪ ዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ዝተነብረ ምዕጻው ምልዓሉ ትማሊ ሶኑይ ናብ ኣብያተ ትምህርቶም ምምላሶም ተገሊጹ።

ኣይቨሪስኮስት ድሕሪ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ምዕጻው ንመጀመርያ ጊዜ ተማሃሮ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ክምለሱ ዘፍቐደት ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና'ላ።

ኣብታ ሃገር 2,736 ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ'ውን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ይምዝገቡ ኣለው። ይኹን ደአ እምበር ሰበ ስልጣን'ታ ሃገር ተማሃሮ ዘድልይ መከላከሊ ስጉምቲ እንተወሲዶም ብሓንሳብ ክመሃሩ ይክእሉ'ዮም ይብሉ ኣለው።

ጎረባብቲ ኣይቨሪኮስት ዝኾና ሃገራት'ውን እዚ ስጉምቲ ኣይቨሪኮስት ንዝርግሓ ቫይረስ ዘጋድድ ወይ'ውን ከምቲ ዝተመደበ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ክቕጽል ይከአል እንተኾኑ ብቀረባ ይከታተላ ኣለው።

ብመሰረት ትካል ግብረሰናይ ሴቭ ዘ ችልድረን(Save the Children) ኣብ ሃገራት ትሕተ- ሰሃራ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዝርግሓ ቫይረስኮሮና ኣብ ገዛ ክጸንሑ ዝተገደዱ ህጻናት ናይ ርሕቐት ትምህርቲ ናይ ምርኻብ ዕድል ትሑት ምኳኑ ይገልጽ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዘዘራረቦም ሚንስትሪ ትምህርቲ'ታ ሃገር "ነቶም እምነቶም ኣባና ኣንቢሮም ዝመጹ ተማሃሮ ትምህርቶም ክዛዝሙ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለና" ክብሉ ርእይትኦም ሂቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG