ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመዛበልቲ ኮንጎ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ የማዕድዉ፣ ረዳኢ ግን የሎን


ተመዛበልቲ ኮንጎ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ የማዕድዉ፣ ረዳኢ ግን የሎን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:12 0:00

ተመዛበልቲ ኮንጎ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ የማዕድዉ፣ ረዳኢ ግን የሎን

ጓል 20 ዓመት ረበካ ንዪራሩኩንዶ (Rebecca Nyirarukundo) ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲን ተቐናቐንቲ ዕጡቓትን ድሕሪ ዝተወልዐ ግጭት’ያ ካብ ቤታ ሃዲማ። ንሳ ምስ ወዲ ሓደ ዓመት ወዳን በዓልቤታን’ያ ነቒላ።

ሕጂ ድማ ኣብ ዶባት ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ነበር ሎሚ ግን ናብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ተቐዪሩ ዘሎ ቦታ መጻንሒ ስፍራ ረኺባ። በይኖም ጥራይ ግን ኣይኰነን--ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተመዛበልቲ’ውን ኣለዉ።

ረበካ“ናብዚ ቦታ ብእግሪና ኢና መጺእና። መጓዓዓዚ ኣይረኸብናን። መግቢ’ውን ኣይነበረን። ንሓሙሽተ መዓልታት መግቢ ከይሰራሕኩ ተጓዒዝና። ወደይ ብጥሜት ማሲኑን ደኺሙን ነይሩ። ሓገዝ እንተ ረኸበ ብዝብል ተስፋ ናብ ማእከል ክንክን ህጻናት ወሲደዮ፡ ኣይተዓወትኩን ግን፡” ትብል ።

ብዓጸቦን ሕማምን ዝማሰነ ወዳ ብ17 ሓምለ ዓሪፉ።

ኣብ ከተማ ካንያሩቺንያ (Kanyaruchinya) ተመዛበልቲ ምምጻእ ኣየቋረጹን። ምስ ብዝሒ ሓደስቲ እቱዋት ዝመጣጠን ሓገዝ ግን የሎን።

ጠርናፊ እቶም ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ዝዀነ ቲዮ ሙሰኩራ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፤ “ካብ ንመጽእ ኣትሒዝና ሓገዝ ኣይረኣናን። ኣነ ንባዕለይ ብሰንኪ ብጥሜት፡ ጽምኢን መጽለሊን ዝሞቱ ኣርባዕተ ሰባት ቀቢረ ኣለኹ። ንኸበድቲ ሽግራት ኢና ተቓሊዕና ኣሎና።”

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲን ብስም ምንቅስቓስ 23 (23 Movement) ዝፍለጥ ዕጡቕ ጕጅለን ድሕሪ ዝተወልዐ ጎንጺ፡ ኣስታት 160-ሽሕ ዜጋታት ኣባይቶም ገዲፎም ተመዛቢሎም።

ቅድሚ እቲ ኲናት ምጅማሩ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ኣስታት 225 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ ነይሩ። እንተዀነ እቲ ትካል ሓደ ሕምሲት ናይቲ ዝሓተቶ መጠን ጥራይ’ዩ ረኺቡ። እዚ ድማ ቅድሚ’ቲ ምምዝባል ምጅማሩ’ዩ።

ብዘይካ ስእነት መሰረታዊ ሓገዝ፡ ሕክምና’ውን ካልእ ዓቢ ጸገም እቲ ከባቢን ሓደስቲ ተመዛበልቲን ኢዩ። ኣብቲ ኣከባቢ ሓንቲ ተንቀሳቐሳቲ ኣገልግሎት ጥዕና ጥራይ’ያ ዘላ።

እታ ተንቀሳቓሲት ማእከል ጥዕና ኣብ 2021 ዝተመስረተት ኰይና፡ ኣብ ቀረባትን ምምዕባላን ግን ዝተራእየ ኣበርክቶ ዘይምህላዉ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ይዛረቡ። ምስ ምውሳኽ ብዝሒ ተጠቀምቲ፡ ብወገን መንግስቲ ሓገዝ ስለ ዘየለ፡ ንዅሉ ወገን ኣብ ሽግር የእትዩዎ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣንጻር ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ብዝተፈጥረ ህዝባዊ ተቓውሞ ህይወት 15 ዜጋታት ጠፊኡ'ሎ።

ሰልፈኛታት፡ እቶም ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ሰላም ከውሑሱ ከም ዘይከኣሉ ይዛረቡ። ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ብዛዕባ ዝቐርበሎም ዘሎ ክሲ ምዝሕታል ስራሖም ንጎኒ ገዲፍና፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ጎማ ዘሎ ስእነት ሰላም ግን ኣዝዩ ግሉሕ’ዩ።

XS
SM
MD
LG