ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመሳሳልነት ሓደጋ ቦይንግ 737 ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶነዥያን


ትማሊ ሰንበት ዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፥ ምስ ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ማለት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ መገዲ ኣየር ላዮን ናይ ኢንዶነዥያ ዘጋጠመ ሓደጋ ተመሳሳሊ ምንባሩ ይግለጽ ኣሎ።

ንኽልቲአን ነፈርቲ ዘጋጠመን ሓደጋ ምሕምሻሽ ንምፍላጥ ዋላ እቲ መርመራ ዛጊት ይቕጽል እንተሎ ኣብ ሓጺር ግዜ፥ ኣብ ትሕቲ ንቡር ኩነታት ኣየር እሞ ኸኣ ኣብ ሓደስቲ ነፈርቲ ብምግጣሙ ኣቓልቦ ሓያሎ ስሒቡ ይርከብ።

ተመሳሳልነት ሓደጋ ክልቲአን ነፈርቲ

ኣብ ክልቲኡ ሓደጋታት ምሕምሻሽ ዘጋጠመን ነፈርቲ ስርሓት ቦይንግ ዝተባህለ መፍረ ነፈርቲ ኮይነን: ዓይነተን ድማ ቦይንግ 737- MAX 8 ዝተባህላ እየን።

ክልቲአን ነፈርቲ ሒደት ደቓይቕ ድሕሪ ንቕሎ እየን ወዲቐን።

ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ጃካርታ ዝተበገሰት መገዲ ኣየር ላዮን 610 ናይ ኢንዶነዥያ ክትወድቕ እንከላ ምስኣ ተሳፊሮም ዝነበሩ 189 ሰባት ምስታ ነፋሪት ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ሞይቶም። ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ET302 ብተመሳሳሊ ምስኣ ዝነበሩ 157 ሰባት ብሙሉኦም ምስ ምሕምሻሽ እታ ነፋሪት ሞይቶም።

ክልቲአን ነፈርቲ ሓደስቲ ምንባረን ድማ ይሕበር ኣሎ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪቱ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ከምዝተረከባ እዩ ኣፍሊጡ።

ቦይንግ 737 ዝዓይነተን ነፈርቲ ተመሓይሸንን ማዕቢለንን ዝቐረባ ነባራት ዓይነት ነፈርቲ ኮይነን: ብዘለወን ቁጠባ ሃልኪ ነዳዲ: ናይ ባርዕ መቆጻጸሪ ናውትን ካልኦትን ብልጫታትን ኣብ ዕዳጋታት መገዲ ኣየር ጠለብ እናረኸባ ክመጻ ዝጸንሓ ዓይነት ነፈርቲ እየን።

እዘን ብራብዓይ ወለዶ ማለት Fourth Generation ተባሂለን ዝፍለጣ ዝተመሓየሻ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ኣብ 2011 ክፈርያ ምጅማረን ድማ ይሕበር።

ኣብ ዝሓለፈ ሽድሽተ ወርሒ ጥራይ ምስ ናይዚ ትማሊ ምሕምሻሽ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክልተ ነፈርቲ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብምውዳቐን: ኣብ ልዕሊ እዘን ቦይንግ 737 ዝተባህላ ናይ ድሕነት ስክፍታታተን ዓሪጉ ይርከብ። በዚ ድማ መገዲ ኣየር ቻይና ከምኡ’ውን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኩለን ኣብ ትሕቲኡ ዝንቀሳቐሳ ቦይንግ 737- 8 ከይበራ ትእዛዝ ምምሕልላፉም ተገሊጹ። ቦይንግ ዝተባህለ ኣፍራይ እተን ነፈርቲ ድማ ድሮ ሕቶታት ይውሕዘሎ ምህላው ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜናታት ሓበሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG