ዋሽንግተን —
ተመራፃይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ፈለማ 100 መዓልታት ስረሖም 100 ሚልየን ክታበት ፀረ ኮቪድ ናብ ህዝቢ ብምቅራብ ኣብ ልዕሊ ኮቪድ ተሪር ስጉምቲ ከምዝወስዱ ተዛሪቦም ። ከምኡ'ውን ምምሕዳር ትራምፕ ሕፅረት ቀረብ ክታበት ይረኣዮ ኣሎ ኢሎም ።
ብሰሉስ ኣብ ዊልምንግቶን ዴልዊር ኣብ ዝርከብ ግዚኣዊ ቤት ፅሕፈቶም ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ "ፈውሲ ክታበት ናይ ምብፃሕ ዓቅሙ/ትልሙ/ ንድሕሪት ዝተረፈ እዩ " ኢሎም እዮም ።
ድሕሪ ጥሪ 20 ንሶም ስልጣኖም ምስተረከቡ "ገነትን መሬትን ኣንቀሳቂሶም ናብቲ ትኽክለኛ ኣንፈት ክንጉዓዝ ክሰርሕ እየ " ክብሉ ቃል ኣትዮም እዮም።