ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመራመርቲ ዚምባብወ ጥንታዊ ኣዕጽምቲ ዳይኖሶር ምርካቦም ይገልጹ


ሃገራዊ ቤተ-መዘከር ዚምባብወ፡ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ እታ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ጥንታዊ ምዃኑ ዝነግሩሉ ትርፍራፍ ዳይኖሶር፡ ንምርኢት ከቕርብ ይዳሎ ኣሎ። እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝቐደመ ምዃኑ ዝተነግሮ ሓመድ-ሬሳ ዳይኖሰር ቅድሚ 230 ሚልዮን ዓመታት ኣቢሉ ዝነበረ ምዃኑ ይእመን።

እቲ ኣብ ቤተ-መዘከር ቡልዋዮ ተቐሚጡ ዘሎ ሓመድ-ሬሳ ኣብቲ ትሪያሲክ ዝተባህልወ መዋእል ቅድሚ 230 ሚልዮን ዓመት ምንባሩ ይግምቱ።

ብመሰረት ገምጋም እቶም ተመራመርቲ፡እቲ ዳይኖሶር ቍመቱ ሓደ ሜትሮ፡ ስፍሑ ክልተ ሜትሮን ነዊሕ ክሳድን ንእሽቶ ርእሲ ዝነበሮም ምዃኑ ይእመን። ክብደቱ 30 ኪሎ-ግራም ዝበጽሕ ምንባሩ ይግመት።

እቶም ተመራመርቲ ኣብ ምስ ሞዛምቢክን ዛምቢያን ዝዳወብ ዶባት ዚምባበወ ዳርጋ ምሉእ ቅርጺ ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ ይዛረቡ።

እቲ ብናይ ደገ ተመራመርቲ ኣብ ብ2017 ከምኡ’ውን 2019 ዝተገብረ ምርመራ ዝተረኽበ ዳይኖሶር ኰይኑ፡ ሕጂ ግን እቲ ቤተ-መዘከር ኣላጊቡ ንምርኢት ከቕርቦ ይዳሎ ኣሎ።

ኣብ ቤተ-መዘከር ባህርያዊ ታሪኽ ዚምባብወ ኣተሓባባሪ ዝዀነ ማይክል ዞንዶ ንህልዉን ዝመጽእ ተስፋን ክዛረብ እንከሎ፤ኣብ ከባቢ እምቢረ ተወሳኺ ዳህሳስ ክንገብር ኢና። ካልእ ኣዕጽምቲ ዳይኖሶር ክንረክብ ከም እንኽእል ተስፋ ኣሎ። እዚ ረኺብናዮ ዘሎና፡ ካልእ ተኽእሎ ከም ዘሎ ዘርኢ’ዩ።”

ኣብቲ ቤተ-መዘከር ንጉዳያት ትምህርቲ ዝከታተል ምግኒ ዱበ፡ ዳህሳስ ኣዕጽምቲ ናይቲ ዳይኖሶር ነቲ ምስ ንውሓት ግዜ ምንባር ዳይኖሶር ክሳብ ምጥርጣር ዝበጽሓሉ እዋን ዘበራብርን ኣብ ዚምባብወ ምንባሮም ብጭቡጥ ዘመልክትን ምዃኑ ይጠቅስ።

ምርካብ ናይዚ ኣዕጽምቲ ንሃገረ ዚምባብወ ዓቢ ኵርዓት’ዩ። ኣካየድቲ እቲ ቤተ-መዘከር ድማ እኹል ሓገዝ ኣኪቦም ንዝያዳ በጻሕቲን ተመራመርቲን ዘርእዩሉ መገዲ የማዕድዉ ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG