ብመሰረት ጸብጻብ ክኢላታት ጉጅለ መጽናዕቲ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ሕቡራት ሃገራት (IPCC) መጠን ሙቖት ዓለም ብ1.1 ዲግሪ ፋራንሃይት ወሲኹ ኣሎ። እዚ ወሰኽ’ዚ ደርቂ፡ ኣይሂ ዝናብን ካልእ ምምዝባልን ከኸትል ከም ዝኽእል፡ እቲ ካብ 195 መንግስታት ተዋጺኡ ዝቖመ ጕጅለ ክኢላታት የዘኻኽር። ጻብጻብ እቲ መጽናዕታዊ ጕጅለ ከም ዘመልክቶ ድማ እቲ ፍታሕ፡ መጠን ዝርጋሕ ብኵል ኣየር ምጕዳል’ዩ ይብል።
ነበርቲ ደሴት ኢቫ ግሪኽ፡ ሰማያት፡ ብቓጸሎ በረኻታት ዓዶም ደቢኑ እንከሎ’ዮም ነብሶም ከድሕኑ ዝሃድሙ ነይሮም። እዚ ክስታት’ዚ ሓደ ካብቲ ኣማኢት፡ ኣብዚ ወቕቲ’ዚ ኣብ ግሪኽ፡ ቱርኪን ኢጣልያን ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ’ዩ። መጠን ዋዒ ልዕሊ 45 ዲግሪ ሰንቲግረድ ሓሊፉ’ዩ።
ተመራማሪ ክሊማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቦኣዚቺ ቱርኪ ዝዀነ ለቨንት ኩርናዝ፡ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ ገና ብኸምኡ ዝመስል ባርዕ ሓዊ ክጥቃዕ ምዃኑ’ዩ ዝሕብር። “ፈላሚ ናይቲ ክመጽእ ዝኽእል ሰንሰለታዊ ሃጒ” ምዃኑ ድማ ወሲኹ ይሕብር።
ክሊማዊ ለውጢ ዝፈጠሮ ሙቖት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ክሳብ ሳበሪያን ካሊፎርኒያን ሰፋሕቲ ባርዓት ኣኸቲሉ’ዩ።
ኣብቲ ብሕቡራት ሃገራት እትጥርነፍ፡ ኣስታት 200 ተመራመርቲ ዝሓቖፈት ጕጅለ መጽናዕቲ፡ መጠን ዋዒ ዓለምና ብ1.1 ዲግሪ ሰንቲግረድ ወሲኹ ምህላዉ የመልክት። ብቛንቋ ክኢልታት ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ መጠን’ዚ ቀይሕ መስመር ምስጋር’ዩ።
ምኽትል ጉጅለ መጽናዕቲ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ሕቡራት ሃገራት (IPCC) ኮ ባረት ነቲ ስክፍታ ብኸምዚ ትገልጾ፤
“ዝሓለፋ ኣርብዓ ዓመታት፡ ካብ ድሕሪ ዘመነ ኢንዳስትሪ፡ መጠን ክሊማዊ ዋዒ ክዓቢ’ዩ ጸኒሑ። እዚ ምውሳኽ ዋዒ ብሰብ ዝተፈጥረ ምዃኑ ዘከራኽር’ውን የብሉን። ብሰንኪ ሰብ ዝፈጥሮ ምምዝባዕ ከኣ ንለውጢ ዋዒ፡ ዘይንቡር መጠን ዝናብን ደርቂን ደጋጊምና ንቃላዕ ኣሎና።”
ጸብጻብ ጕጅለ ተመራመርቲ ከም ዝእምቶ፡ ኣብ 2030 መጠን ዋዒ ብ1.5 ዲግሪ ሰንቲግረድ ካብ ድሕሪ ዘመነ-ኢንዳስትሪ ክዓቢ’ዩ። እዚ መጠን’ዚ ካብቲ ዋዕላ ክሊማ ፓሪስ 2015 ዝተነበዮ ብዓሰርተ ዓመት ዝቕድም ምዃኑ’ዩ።
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ኣብ መወዳእታ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዘመን’ውን መጠን ልዕለት ባሕሪ ብኽልተ ሜትሮ ክውስኽ ይእምት። እዚ ወሰኽ’ዚ ንህይወት ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ኣህዛብ ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ ክኸውን።
ንፍቂ ኣርክቲክ ብ2050 በረዱ ሓቒቑስ፡ ሓደ በረድ-ኣልቦ ሓጋይ ከሕልፍ ከም ዝኽእል እቶም ጕጅለ መጽናዕቲ የመልክቱ።
እቶም ተመራመርቲ ግን እቲ ስግኣት ክውገድ ከም ዝኽእል’ዮም ዘዘኻኽሩ። እቲ ፍታሕ ድማ መጠን ካርቦን ምጕዳል’ዩ።
ሓደ ካብቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘዳለዉ ቢል ኮሊንስ እንታይ ክግበር ከም ዝኽእል ከምዚ ክብል ዘዘኻኽር።
“ንእሽቶ ወሳታ ለውጢ ጥራይ ጌርና ነዚ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ከነወግዶ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ኣጠቓቕማ ጸዓት ሱር-ነቀላዊ ለውጢ ክንገብር ከድሊ’ዩ። ናብ ኣየር እንፍንዎ መጠን ካርቦን፡ ኣብ መፋርቕ’ዚ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዘመን፡ ናብ ባዶ ከነጉድሎ ኣሎንና። መጠን ተቓጻሊ ጋዝ ሚተን ክንኪ እንተ ክኢልና’ውን ምናልባት ተገሚቱ ዘሎ ዋዒ ብነጥቢ ሓሙሽተ ዲግሪ ሰንቲ-ግረድ ክንቅንሶ ንኽእል ኢና።”
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ብቕድሚኦም ዝነበሩ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተሳሕበ ኣባልነት ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ ዳግም ብምጽንባሮም’ውን ካልእ፡ ንሓባራዊ ስራሕ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ የመልክቱ።
ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብቲ ጉዳይ ጆን ኬሪ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ኵላተን ኣካላት ነቲ ወሳኒ ጻውዒት ብዕቱብ ክሰርሓሉ ጸዊዖም ነይሮም።
ብዅላቶም መንግስታት ዓለም ተመዊሉ ዝተዳለወ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብምዃኑ፡ ኣብ ምትግባሩ ፖለቲካዊ ውሳነ ከም ዝሓትት ድማ ካብቶም ኣዳለውቲ እቲ መጽናዕቲ ዝዀነ ቢል ኮሊንስ የዘኻኽር።
ውጽኢት’ቲ ዋዒ ድሮ ክርአ ጀሚሩ’ዩ። እቶም ዝውሰዱ ስጕምታት ከኣ፡ ካብቲ ብሰንኪ ክሊማዊ ዋዒ ክስዕብ ዝኽእል መቕዘፍቲ፡ ክንድሕን ዲና ወይስ ግዳያት ክንከውን ሓቢርካ ዝርአ’ዩ።