ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመራመርቲ ካብ ቅናት ከዋኽብቲ ወጻኢ ዝኾነ ሓደ ድጉል ኮኾብ ምርካቦም ይገልጹ


ተመራመርቲ ስነ ህዋ ካብ ብ ‘ሚልክ ዌይ’ ዝፍለጥ ቅናት ከዋኽብቲ ወጻኢ ዝኾነ ሓደ ድጉል ኮኾብ ምርካቦም ይገልጹ ኣለው።


እዚ ጸሊም ጉድጓድ ፡ ድጉል ኮኾብ’ዩ ዝተባህለ ልዑል መጠን ጨረር ዘየፍርይ ብምዃኑ’ዩ።


እዚ ሓድሽ ርኽበት ዝተገልጸ ፡ ናይ ‘ዩሮፕያን ሳውዝርን ኦብዘርቫተሪ’ ናይ ዝተባህለ ናይ ጀርመን ትካል ቴሌስኮፕ ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ካብ ዝመዝገቦ ትዕዝብቲ ብምብጋስ ምዃኑ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።


ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ተመራመርቲ፥ እዚ ጸሊም ጉድጓድ ትሸዓተ ጊዜ ካብ ርዝነት ጸሓይ ዝኸብድ ክኸውን ከሎ፥ ብተወሳኺ ኣብ ቅናቱ ዝዘውር ውዑይ ሰማያዊ ኮኾብ ድማ ፪፭ ጊዜ ካብ ርዝነት ጸሓይ ከምዝዓብይ ተገሊጹ።


ነቲ ሓድሽ ርኽበት ‘ኔችር ኣስትሮኖሚ ‘ ኣብ ዝተባህለ መጽሄት ዘፍለጡ ተመራመርቲ ኣብ ዘስፈርዎ ጽሑፍ ፡ ነዚ ጸሊም ጉድጓድ ዝፈጠረ ኮኾብ ከምዘይተተኮሰ ብኣንጻሩ ብናይ ገዛእ ርእሱ ስሕበት ዓንዩ ከምዝጠፍኣ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG