ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመራመርቲ እስራኤል፡ ክታበት ባዮን ተክ ማዕረ`ቲ ኣብ እዋን ፈተነ ዝነበሮ ኣድማዒ`ዩ ኢሎም


ተመራመርቲ ኮቪድ እስራኤል፡ ክታበት ባዮን ተክ ማዕረ`ቲ ኣብ እዋን ፈተነ ዝነበሮ ኣድማዒ`ዩ ኢሎም::ከምኡ`ውን ሓደ ነጸላ ክታበት ድሕሪ ክልተ ሰሙን 57% ኣድማዒ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ ይብሉ።

ንኮሮና ቫይረስ ንምውጋእ ዝተገብረ ሰፊሕ ናይ ፈተነ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ፡ ክታበት ፋይዘር ባይንተክ- 95% ኣድማዒ`ዩ- ።

ብኻልእ ወገን ፋብሪካ መድሃኒት ሞደርና፡ ክልተ ዶስ ማለት ዓቐን ዝሓዘ ክታበት ኣማዕቢለ ይብል ኣሎ። ንሱ ድማ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ዓይነት ቫይረስ ንምውጋእ ዓሊሙ ዝተሰርሐ ምዃኑ ገሊጹ`ሎ።

እቲ ናይ ኣሜሪካ ኩባንያ ንተወሳኺ መርመራ ነቲ ክታበት ናብ ሃገራዊ ትካል ጥዕና ኣመሪካ ልኢኽዎ`ሎ።

ክልቲኦም ፋይዘርን ሞደርናን፡ ኣብዘን ዝቕጽላ ሒደት ኣዋርሕ ምህርቶም ብዕጽፍታት ከዛይድዎ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ ሰሙን 13 ሚልየን ዶስ ዓቐን ክፍርዩ ይዳለዉል`ለዉ። ሞደርና ጥራሕ ክሳብ ሚያዝያ ኣብ ወርሒ 40 ሚልየን ዓቐን ሓደ ክታበት ከምዘፍሪ ኣፍሊጡ`ሎ።

መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ብዛዕባ ምዝሓል ምህርቲ ክታበት ንምዝርራብሎሚ ተኣኪቦም ኔሮም ።

Recommended

XS
SM
MD
LG