ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመራመርቲ ኣሜሪካ ኣብ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ዘካየድዎ ፈላማይ መድረኽ ተስፋ ከምዘርኣየ ገሊጾም


ተመራመርቲ ኣሜሪካ ኣብ ክታበት ኮሮናቫይረስ የካይድዎ ዘለው ፈተነ ኣብ ናይ መጀመሪያ ምዕራፍ ናይቲ መፅናዕቲ ተስፋ ከምዘርኣየ ገሊፆም።

እቲ ሓድሽ ክታበት ኣብ ኣሜሪካ ዝመደብሩ ሞደርና ዝተባህለ ትካል ከምዝተሰርሐን ብተመራመርቲ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ኣለርጂን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ከምዝማዕበለን ተፈሊጡ ኣሎ።ትማሊ ሰሉስ ኣብ New England Journal of Medcine ዝወፀ ሪፖርት እቶም ተመራመርቲ ናይ ፈተነ ክታበት ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 55 ንዝርከቡ ልዕሊ 45 ወለንተኛታት ፈቲኖም ኣለው።

እቶም ተመራመርቲ ካብቶም ናይ ፈተነ ክታበት ዝወሰዱ ሓደ ክብድ ዝበለ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘስዓበሉን ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ማእኸላይ ዝኾነ ድኻም፣መርዘን ርእሲ፣ቁሪ ዝኣመሰሉ ምልክታት ኣርእዮም ኣለው።

ናይቲ ኣብ ሰባት ንፈለማ ግዜ ዝተፈተነ ክታበት ውሕስነትን ውፅኢትን ናይቲ ክታበት ንምልካዕ ዝዓለመ እዩ ኔሩ።

ናሽቪል ኣብ ዝርከብ ማእኸል ሕክምና ዩኒቨርስቲ ቨንደርቢልት ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክተር ዊሊያም ሻፍነር ”ፈላማይ ፈተነ እዩ ግን ክኣ ዘሐጉስ ፈላማይ ፈተነ እዩ’’ ኢሎም ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዋይት ሃውስ ኣብ ልዕሊ ናይ ኣሜሪካላ ዕለዋይ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ ይፍኖ ካብዘሎ ዳሕረዋይ ሓድሽ መጥቓዕቲ ንባዕሉ የርሕቕ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ናይ ዋይት ሃውስ ናይ ንግዲ ኣማኻሪ ፒተር ናቫሮ USA Today ኣብ ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ዝፀሓፉዎ ርእይቶ "ምስ ህዝቢ ከም ሓኪም ፅቡቕ ዝረዳድኡ እንተኾኑ እውን ምስኦም ኣብዝተራኸብኩሉ ኣጋጣሚ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ነገር ጌጋ እዮም’' ኢሎም።እቲ ፅሑፍ ምስወፀ ኣብ ዋይት ሃውስ ዳይረክተር ስትራተጂያዊ ኮሚኒኬሽን ኣልያሳ ፋራህ ናይ ናቫሮ ፅሑፍ ብናይ ዋይት ሃውስ ስሩዕ መስርሕ መስመር ዝወፀ ስለዘይኮነ ናይ ባዕሎም ርእይቶ እዩ ክትብል መሊሳ። ትራምፕ ንምምሕዳሮም ዝውሃብ ናይ ሰብሞያ ሕክምና ክእለት የኽብሩ እዮም ኢላ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣሜሪካ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ልዕሊ 3.4 ሚሊዮን ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 136,000 ሰባት በፂሖም ኣለው።

ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨስቲ ኣብ ዓለም በኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ልዕሊ 13 ሚሊዮን ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 580,000 ተመዝጊቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG