ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመራመርቲ ንኣመሰራርታ ኣብ ዙርያ ፕላኔት ሳተር ዘሎ ቅናት ዝምልከት ሓድሽ ገምጋም ኣውጺኦም


ተመራመርቲ ንኣመሰራርታ ኣብ ዙርያ ፕላኔት ሳተር ዘሎ ቅናት ዝምልከት ሓድሽ ገምጋም ኣውጺኦም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:57 0:00

ተመራመርቲ ንኣመሰራርታ ኣብ ዙርያ ፕላኔት ሳተር ዘሎ ቅናት ዝምልከት ሓድሽ ገምጋም ኣውጺኦም

ብመሰረት ኣብ ቀረባ ዝወጸ ገምጋም ሳተርን ዝተባህለ ፕላኔት 4.5 ቢልዮን ዓመታት ዕድመ ከምዘለዎ የመልክት ይኹን ድኣ እምበር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዙርያ'ቲ ፕላኔት ዝረኣ ቅናት ግን 100 ሚልዮን ዓመታት ጥራይ ዕድመ ከምዘለዎ ይገልጽ።
ተመራመርቲ ዕድመ ኣብ ዙርያ'ቲ ፕላኔት ዘሎ ቅናት ካብቲ ፕላኔት ዝወሓደ ንምዃኑ ምክንያት ክፈልጡ ፈቲኖም'ዮም።
ኣብ ማሳሱሸት ኢንስቲዩት ቴክኖሎጂ ዘለው ተመራመርቲ ኣብ ጆርናል ኦፍ ሳይንስ ብዘውጽእዎ ሪፖርት መሰረት ኣብ ሓደ እዋን ፕላኔት ሳተርን ካብተን ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘለውኦ 83 ወርሒታት ተወሳኺ ሓደ ወርሒ ከምዝነበሮ ይግመቱ።
እዚ ተወሳኺ ወርሒ ቕድሚ 160 ሚልዮን ዓመታት ምፍራሱ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።
ብመሰረት ጸብጻባት እቶም ተመራመርቲ ስብርባራት'ቲ ወርሒ ኣብ ዙርያ'ቲ ፕላኔት ክንሳፈፉ ጸኒሖም ድሕሪ ጊዜ ነቲ ኣብ ዙርያ ፕላኔት ሳተርን ዝረኣ ቅናት ምስርሖም ይሕብሩ።
XS
SM
MD
LG