ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመራመርቲ ምክንያት ትሑት ቁጽሪ መልኸፍቲ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ጃፓን ክፈልጡ ይፍትኑ


ብዙሓት ሃገራት ምስቲ ዝኸፍአ ሓዱሽ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይቃለሳ ኣብ ዘለዋሉ ሕጂ እዋን ኣብ ጃፓን መልከፍቲ ኮቪድ19 ዳርጋ የለን ክብሃል ይኽእል።ተዓዘብቲ ስለምንታይ፧ ዝብል ንምፍላጥ ይፍትኑ ኣለው።

ክሳብ ቀረባ ግዜ ናይ ጃፓን ናይ ኮሮናቫይረስ ኩነታት ፅቡቕ ኣይነበረን።ምስ ናይ ቶክዮ ኦሎምፒክ ተገጣጢሙ ዝተልዓለ ምስፍሕፋሕ በብዕለቱ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ሆስፒታላት ድማ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ሕሙማት የተኣናግዳ ነይረን።

ካብ መስከረም ናብዚ ግን እቲ ኩነታት ክመሓየሽ ጀሚሩ።ጃፓን ኣብዚ ወርሒ ኣብ መዓልቲ ብኮቪድ19 ዝሞተ ሓደ ሰብ እያ መዝጊባ።እዚ ቁጽሪ 126 ሚሊዮን ህዝቢ ንዘለዋ ሃገር ብዘስደምም ደረጃ ኣዚዩ ዝተሓተ እዩ።

ጎረባብታ በከቢድ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እናተጠቕዓ ጃፓን በዚ ደረጃ ዝተዓወተትሉ ምኽኒያት ብልክዕ ዝፈልጥ የለን።

ይኹን ደ አ እምበር ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብሃሉ ብዙሓት መብርሂታት ግን ይቐርቡ።ዳርጋ 80% ህዝቢ ጃፓን ተኸቲቡ እዩ፤ኩሉ ሰብ ብዝብሃል ደረጃ ማስክ ይሽፈን።መንግስቲ ነቲ እገዳ ኣፉኪስዎ እናሃለወ እውን ሰባት ምሽፋኖምን ምፍንታት ቀፂሎምሉ ኣለው።

ገለ መፅናዕትታት ድማ ናይ ጃፓን ትሑት መጠን ርጉዲ ይጠቕሱ።ብዙሓት ናይ ቀረባ መፅናዕትታት ኮቪድ19 ኣብ ረጎድቲ ሰባት ዝበዝሐ ጉድኣት ከምዘውርድ ደምዲሞም ኣለው።

ባህላዊ ልምድታት እውን ተራ ክህልዎም ይኽእሉ።ጃፓናዊያን ክራኸቡ ከለው ኣይሰዓዐሙን፣ኣይትሓቋቖፉን ዋላ እውን ብኢድ ሰላምታ ኣይጨባበጡን።

ምስ ናይ ጃፓን ብዙሕ ተመሳሳሊ ባህላዊ ልምድታት ዘለዋ ጎረቤት ደቡብ ኮሪያ ድማ ዝኸፍአ ምስፍሕፋሕ ኮቪድ19 ኣጋጢሙዋ ኣሎ።

ገለ ክኢላታት ምኽኒያቱ ዝኾነ ይኹን ናይ ጃፓን ዓወት መሊእኻ ንምዝራብ ግን እዋኑ ገና እዩ ይብሉ ።ኣብዚ ዝቕፅል ናይ ዛሕሊ እዋን ማዕበል ምስፍሕፋሕ ከጋጥማ ይኽእል እዩ ክብሉ'ውን ግምቶም ይሕብሩ።

ጃፓን ኣብዚ ሰሙን ቀዳማይ መልከፍቲ ኦሚክሮን መዝጊባ ኣላ።ተመራመርቲ እዚ ቫይረስ ካብ ዝሓለፉ እዋናት ብዝዓበየ ቕልጣፈ ይስፋሕፋሕ ኣሎ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG