ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመራመርቲ መበራትዒ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ኩሉ ክወስዶ ዝግባእ ኣይኮነን ክብሉ ሓቢሮም


ክታበት ቫይረስ ኮሮና
ክታበት ቫይረስ ኮሮና

ተመራመርቲ ሳልሳይ መበራትዒ ክታበት ኮቪድ 19 ኹሉ ክወስዶ ዝግባእ ክታበት ኣይኮነን ክብሉ ገሊፆም ። ከምኡ'ውን ሕብረት ኣውሮጳ ታሕተዋይ ዓመታዊ እቶት ንዘለወን ሃገራት ከባቢ 200 ሚልየን ተወሳኺ ክታበት ኮቪድ ክህብ ምዃኑ ሓቢሩ ።

ዓለምለኸ ጉጅለ ተመራመርቲ ክታበት ሳልሳይ ተወሳኺ መበራትዒ ክታበት ብሓፈሻ ንኹሉ ህዝቢ ክወሃብ ምውሳኑ ነቲ ብኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ኣንፃር ኮቪድ ዝግበር ፃዕሪ ዘዳኽም እዩ ክብሉ ተቃዊሞሞ ።ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ላንሴት ዝተባህለ ሕክምናዊ መፅሄት ነቶም ሰብ ሞያ ጠቂሱ ኣብ ዘውፀኦ ፅሑፍ ዋላ እኳ እቲ ቀልጢፉ ናይ ምምሕልላፍ ባህሪ ዘለዎ ዴልታ ቫይራንት ክብድ ዝበለን ስጋብ ንፍሉይ ሕክምናው ሓገዝን ዘስዕብ እንተኾነ'ውን እቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ጥቅሚ ውዒሎም ዝርከቡ ክታበታት ግና ነቲ ቫይረስ ብርቱዕ ምላሽ እንዳሃቡ ይርከቡ።

መበራትዒ ተወሳኺ ክታበት ኮቪድ 19 ናይ ምምዕባል ሓሳብ ዝተጀመረ ካብ እስራኤል ወፃኢ ኣብ ዝተገብሩ መፅናዕትታት እቶም ክልተ ክታበታት ፋይዘር ኣብቶም ኣብ መፈለምታ ከባቢ ዝተኸትቡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዘለዎም ውፂኢታውነት ሕማም ናይ ምኽልኻል ዓቅሞም ትሑት ብምዃኑ እቲ መፅናዕቲ እስራኤል ልዕሊ 50 ዝዕድሚኦም ዜጋታት መበራትዒ ክታበትክወስዱ ዘበገሶ እዩ ።

እቲ ፅሑፍ ኣብ ክንዲ ተወሳኺ ሳልሳይ ክታበት ምሃብ ነቲ ሓዱሽ ባህሪ ተላቢሱ ዝመፀ ዴልታ ቫይራንት ዝተባህለ ዓይነት ኮቪድ ዝምጥን ክታበት ምስራሕ ይምረፅ ይብል።

እቲ ፅሑፍ ኣብ መወዳእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ገምጋሞም ከንብሩ ትፅቢት ዝተገብረሎም ካብ ትካል ጥዕና ዓለም ክልተ ፍሉጣት ሳይንትስት ኣናማርያ ሄናኦ-ሬስትሬፖን ሶምያ ስዋሚናታን ፣ከምኡ'ውን ካብ ምምሕዳር መግብን ኣፋውስን ኣመሪካ ቤት ፅሕፈት ገምጋም ክታበት ድማ ንኽልተ ቀንዲ ሰበስልጣናት እቲ ትካል ዝኾኑ ዶ/ር ማርያ ግሩበርን ዶ/ር ፍሊፕ ክራውሰን ዝጠቀሰ ኮይኑ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ቀረባ ከምዝፀብፀቦ ግሩበርን ክራውስን በቲ ምምሕዳር ባይደን ምምሕዳር መግብን ኣፋውስን ነቲ ሓበሬታ ብዝግባእ ከይገምገሞ ሳልሳይ መበራትዒ ክታበት ካብ ዝቅፅል ወርሒ ጀሚሩ ንሓደ ሓደ ኣሜሪካውያን ክወሃብ ምዃኑ መግለፂ ምሃቡ ከምዘቆጠዖም ሓቢሩ ።

ምምሕዳር መግብን ኣፋውስን ኣመሪካ ዕዲሚኦም ትሕቲ 12 ዓመት ንዝኾኑ ህፃናት ክታበት ኮቪድ 19 ክወሃቦም ከምኡ'ውን እቶም ኣብ ጥቅሚ ውዒሎም ዝርከቡ ክታበታት ዕድሚኦም ዝደፍኡ ኣሜሪካውያን ሳልሳይ መበራትዒ ክታበት ክወስዱ ዳርጋ ኣብ ውሳነ በፂሑ እዩ ።

ማእከል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ምስ ምምሕዳር መግብን ኣፋውስን ብምዃን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መበራትዒ ክታበት ሞደርና ወይውን ፋይዘር ትሑት ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቅሚ ንዘለዎም ሓደሓደ ሰባት ክወሃብ ከምዝከኣል ምሕባሮም ዝዝከር እዩ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሃብታማት ሃገራት ክታበት ክወሃብ ዝሓዘኦ ውጥን ስጋብ መወዳእታ እዚ ዓመት ከፅንሐኦ እሞ ኣብ ትሑትን ማእከላይን ደረጃ እቶት ዝርከባ ሃገራት ዝሐሸ ተበፃሕነት መታን ክረኽባ ክብሉ ተማሕፂኖም። ከምኡ'ውን ዝለዓለ እቶት ዘለወን ሃገራት ድማ ስጋብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም መበራትዒ ክታበት ንኸይጅምራ'ውን ሓቲቶም ነይሮም ።

ቀዳማይ ሚኒስትር እንግሊዝ ቦሪስ ጆንሰን 'ውን ብረብዕ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ መንግስቶም ኣብ ዝመፅእ እዋን ክረምቲ ምዕራባውያን ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት እታ ሃገር ሳልሳይ ክታበት ኮቪድ 19 ክወሃብ ምዃኑ ገሊፆም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሕብረት ኣውሮጳ ስጋብ መፋር 2022 ኣብ ዘሎ ግዘ ታሕተዋይ ዓመታዊ እቶት ንዘለወን ሃገራት ከባቢ 200 ሚልየን ክታበት ኮቪድ 19 ክልግስ ምኳኑ ቃል ኣትዩ ።

እዚ ዝተገለጸ ፕረዚደንት ኮምሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ቮንደር ሌየን ኣብቲ ኣብ ፈረንሳይ ስትራስቡርግ ኣብ ቅድሚ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ ዓመታዊ መደረ ኣብ ዝገበራሉ እዋን እዩ። ቮንደር ሊየን እዚ ሕብረት ኣውሮጳ ክህቦ ተሊሙ ዝርከብ ከባቢ 200 ሚልየን ክታበት ኮቪድ ነቲ ቅድም ክብል 250 ሚልየን ክታበት ንምሃብ ዝኣተዎ ቃል ተወሳኺ ምዃኑ ተዛሪበን ።ንሰን ኣብ መደረአን እዚ ሕብረት ኣውሮጳ ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ዘለዎ ድልየትን ከምኡ'ውን ኣብ ዓለምለኻዊ ጥዕና ወፍሪ ከም ምክያድ ከምዝኾነ ገሊጸን ።

ቮንደር ልየን ወሲኸን "ታሕተዋይ ዓመታዊ እቶት ዘለወን ሃገራት መጠን ክታበት ኮቪድ ትሕቲ 1% ኣብ ዝረኽባሉ ኩነታት ኮይነን ኣብ ምሕደራ እቲ ክታበት ምጉዳል ፍትሕን ምፅዳፍ እቲ ሕማምን ክተሓዋወስ ግድን እዩ ኢለን ። ብምዃኑ ዝከኣለና ንግበር እሞ ነቶም ክታበት ዘይረኸቡ ሰባት ለበዳ ብዘይኾነሉ መልክዕ ንመክቶ "ክብላ ንቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ ተዛሪበን ።

XS
SM
MD
LG