ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመራመርቲ ለበዳታት ምውጋዶም ከም ዝከኣል የተስፉዉ


ንባህሪ ለበዳታት ዘጽንዑ ተመራመርቲ፡ ብሕጂ ክረኣዩ ዝኽእሉ ለበዒ ሕማማት ምድራቶም፡ ምናልባት’ውን ፈጺምካ ምክልኻሎም ከም ዝከኣል የተስፉዉ ኣለዉ። ኣሃዱ መጽናዕቲ ጆን ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ፡ ነዚ ተኽእሎ’ዚ ዝሕበር ዘሎ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባትልዕሊ 4 ሚልዮን ኣብ ዝበጽሓሉ’ዩ። ኣብ ዝሓለፉ 100 ዓመታት ንዓለም ዘጥዕቁ ለበዳታት ከምእኒ ሰዓል፡ ሸሮኽ፡ ኤይድስን ካልኦትን ተራእዮም’ዮም።

ገለ ሃገራት ካብቲ ዘንጸላሉወን ዘሎ ሓድሽ ገጽ ለበዳ ኮቢድ-19 ንምክልኻል ኣብ ምድላው’የን ዘለዋ። ብእኡ መንጽር ከኣ ብሰንኪ’ዚ ለበዳ ዘጋጥም ሞትን ምእላይ ሕክምናን ይዓቢ ኣሎ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ድማ፡ ሓካይም፡ ነቲ ተኸታቢ ስኢኑ ዘሎ ፈሰስ እናማዕደዉ፡ ህዝቢ ክኽተብ ይልምኑ ኣለዉ።

ዶክተር ሚኪኤል ቦልዲንግ፡ ንዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ ኣብ ማእከል ሕክምና ዋሺንግተን ንኮቪድ-19 ዝከታተሉ ኣሃዱ ክመርሕ ዝጸንሐ’ዩ። መዓልታዊ፡ እታ ኣሃዱ ኣብ ከመይ ኵነት ከም ዘላ ሕቶታት ከም ዝመጾ ይዛረብ ።

ሕጂ ዝያዳ ኵሉ ንዶክተር ቦልዲንግ ዘቝጥዖ፡ ብሕልፊ እኳ ኣብ መንጎ ክሊ ዕድመ 20ን 30 ዘለዉ መንእሰያት፡ ንኸይክተቡ ዘርእዩዎ ዘለዉ ምዕጥይጣይ’ዩ።

ክታበት ብሰንኪ ኮቪድ-19 ክመጽእ ዝኽእል ሞትን ከቢድ ሕማምን ከም ዘወግድ ተረጋጊጹ’ዩ።

ኣማንዳ ማክ-ለላንድ፡ “መደብ ንህይወት ኣድሕን” ኣብ ዝተባህለ፡ ንምግታእ ለበዳ ኣብ ዝነጥፍ ትካል’ያ እትሰርሕ። እቲ ኣሃዱኣ ብ7-1-7 ዝተሰምየ ኣወዳድባ ቍጽጽር’ዩ ዝዓዪ። ስም እቲ ኣወዳድባ ከም ዘመልክቶ ድማ ሸውዓተ መዓልታት ንለብዒ ምልላይ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንምሕባር፡ እተን ዝተረፋ ሸውዓተ መዓልታት ድማ ነቲ ለበዳ ዝመጣጠን ግብረ-መልሲ ምቕራብ’ዩ።

ኣማንዳ ማክ-ለላንድ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶም ሓበሬታ፡ ንለበዳታት ፍጹም ምቍጽጻሮም ከም ዝከኣል ትሕብር። ኣብ ጎረቤታ ሃገር ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ድሕሪ ዝተራእየ ለበዳ ኢቦላ፡ ኡጋንዳ ዘርኣየቶ ናይ ምልክልኻል መስርሕ ድማ ከም ጽቡቕ መርኣያ ምግታእ ለበዳ ትጠቅስ።

ኣማንዳ ማክ-ለላንድ"ኡጋናዳ፡ ብፍጡን ግብረ-መልሲ ንማሕበረኮማት፡ ኣሃዱታት ጥዕናን ካልእ ቀረባት ኣድልያ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ዝነበረ ለበዳ ኢቦላ ኣብ ሃገራ ከም ዘይኣቱ ገይራ። እዚ ውሁድ ዳዕሪ ናይ በብይኖም ጨናፍር ከምእኒ ምልላይ ምልክታት ሕማም፡ ህጹጽ ረዲኤትን ኣዕጋቢ ሕክምናዊ ክንክን ንሕሙማን ብምግባር’ዩ ተዓዊቱ፡”ትብል ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ማክ-ለላንድ እትዓየሉ ትካል “መደብ ንህይወት ኣድሕን” ውጽኢት መጽናዕቱ ንህዝቢ ዘርጊሑ ነይሩ። ኣብቲ “ዘይተላብዑ ለበዳታት” ዝብል ኣርእስቲ ዝሃቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ድማ፡ ሃገራት ለብዕታት ከይተዘርግሓ ዝተቖጻጸራሉ ሓያሎ ኣብነታት ዘርዚሩ ኣሎ።

ኣብ 2014 ናይጀሪያ ኣብ ምቍጽጻር ለበዳ ኢቦላ፡ ከምኡ’ውን ብራዚል ኣብ 2016 ንምግታእ ለብዒ ወይቦ (የሎው ፊቨር) ዘካየደኦ ዕውት ቃልሲ’ውን ካልእ ኣብነት’ዩ። ክልተአን ሃገራት ውሁድ ንጥፈታት ሓበሬታ፡ ሕክምናን መሳጢ ኣመራርሓ ብምርኣይ’የን ተዓዊተን።

ብኣገላልጻ ማክ-ለላንድ፡ ምስጢር ብሉጽ መሪሕነት፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ብዝህሉዎ እምነት’ዩ ዝርአ። ማክ-ለላንድ ሓደጋ ምስ መጸ፡ ናብቲ ሕብረተሰብ ቀሪብካ መምርሒ ምሃብ ቅቡል ኣይኰነን ከኣ ትብል ። ዕዉት ናይ መሪሕነት ስራሕ ዝሰርሑ፡ እቶም ምስቲ ሕብረተሰብ ኣቐዲሞም መስመር ዝጸንሖምን ኣብ ባይታ ዘለዉን’ዮም። ንሳ ወሲኻ ከምኡ ዝመስል ምትእስሳር ምስ ዝጸንሕ ጥራይ ከኣ’ዩ እቲ ሕብረተሰብ እምነት ዘሕድርን ንለበዋ መራሕቱ ዝሰምዕን ትብል።

ማክ-ለላንድ፡ ጽቡቕ ሰረት ዘለወን በርጌሳውያን ማሕበራትን እሙናት መራኸቢ-ብዙሃንን ነቲ ዝድለ እምነት ኣብ ምፍጣር ወሳኒ ተራ ኣለዎም። ካብቲ ክመጽእ ዝኽእል ኣደናጋሪ ወረታትን ሰንኮፍ ኣተሓሳስባታት ከይሰርጽ ኣብ ምውጋድ ዝለዓለ ተራ ከም ዘለዎም ከኣ ትገልጽ።

XS
SM
MD
LG