ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሓላቒ ትካል ፕረስ ክለብ ኢትዮጵያ መሰል ጋዜጠኛታት ከተኽብር ይጽውዕ


ዋሽንግተን ዝመደበሩ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ናሽናል ፕረስ ክለብ (National Press Club)፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝወርድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ከም ዘተሓሳሰቦ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንሰብ-መዚ ኢትዮጵያ ንእሱራት ጋዜጠኛታት ብቕልጡፍ ክፈትሑ ጸዊዑ።

እቲ ዘይምኽሰባዊ ትካል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ጋዜጠኛታት ኣሚር ኣማን ኪያሮ፡ ቶማስ እንግዳን ታምራት ነገራን ገለ ካብቶም ብዘይ ሕጊ ዝተኣስሩ ምዃኖም ድሕሪ ምጥቃስ፡ “ጋዜጠኝነት ገበን ስለ ዘይኰነ፡” ሰብ-ሞያ ግብኦም ክግበሩ ክፍቕዱ ጸዊዖም። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ወሲኹ፡ ደሞክራሲ ኣብታ ሃገር ስፍራ ንኽሕሉዎ ፕረስ እቲ መሰረታዊ ዓንዲ ስለ ዝዀነ፡ ኢትዮጵያ ንመሰል ናጽነት ፕረስ ክተኽብር ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ 1908 ዝተመስረተ ዓለምለኸ ትካል ናሽናል ፕረስ ክለብ (National Press Club) ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ልዕሊ 3000 ሞያውያን ዝሓቘፈ’ዩ።

XS
SM
MD
LG