ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሓለቕቲ ወገናት ንተበግሶ ምቍራጽ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኢትዮጵያ የጠንቅቑ


ኢትዮጵያ ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ፡ ኣጻራዪ ኮሚሽን ግፍዕታት ሰሜን ኢትዮጵያ ክቋረጽ ምሕታቱ “ሓደገኛን ንስእነት ተሓታትንነት ዝመርሕን’ዩ” ክብላ 63 ዘቤታውያን፡ ዞባውያንን ዓለምለኻውያን በርገሳውያን ማሕበራት ጸዊዐን። እተን ትካላት ብመገዲ ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽአኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ “ምቍራጽ ንዕማም እቲ መርማሪ ኮሚሽን ንግዳያት እቲ ኲናት ፍትሒ ዘይህብ፡ ተሓታትነት ዘጕድልን ነቲ ዝተፈጸመ በደል ዝቐብርን’ዩ፡” ክብላ ገሊጸን።

ኢትዮጵያ ነቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ግዜኡ ከቋርጽ ትጽውዕ ምህላዋ ብሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ምዕራብ’ውን ነቕፌታ ኣልዒሉ’ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምቛም እቲ ኣካል ካብ ፈለማኡ ክቃወሞ ምጽናሑ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG