ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦይንግ: ኣበር “ሰንሰር” ጠንቂ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክኸውን ከምዝኽእል ተኣሚኑ


ትካል መፍረ ነፋሪት ቦይንግ: ኣበር “ሰንሰ”ር ዝተባህለ ኣካል ነፋሪት፡ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘጋጠመ ምሕምሻሽ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተራ ከምዝነበሮ ኣፍሊጡ።

መርመርቲ እቲ ሓደጋ ኢትዮጵያ ብወገኖም “ኣንታይ ስታል ሲስተም” ዝተባህለ ኣካል; ልክዕ ድሕሪ ምብራር ኣብ ግዜ ሓደጋ ኣብረርቲ ክቆጻጸርዋ ኣብ ዝቃለሱሉ ዝነበሩሉ ግዜ ብኣፋ ቁልቁል ክትንቆት ከምዝገበራ ኣብቲ ትማሊ ዘውጽእዎ መባእታዊ ውጽኢት መርመራ ኣፍሊጦም።

ሚኒስተር መጎዓዝያ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞጎስ; 157 ሰባት ናይ ዝቐተለት ኣብረርቲ ዝተሓምሸሸት ቦይንግ 737 MAX 8 ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ; ብኣፍራይ ኩባንያ ንዝተዋህበ ኣገባብ እኳ እንተተኸተሉ; ነታ ነፋሪት ግና ክቆጻጸርዋ ኣይከኣሉን ክትብል ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።

እቲ መባእታዊ ውጽኢት ምስታ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ጃቫ ኢንዶነዥያ ኣብ ባሕሪ ዝተሓምሸሸት ቦይንግ ዝዓይነታ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢንዶነዥያ ናይ ዘጋጠመ ሓደጋ ተመሳሳሊ ምንባሩ ድማ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG