ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦርድ ትዊተር ብርኪ ኢላን ማስክ ንምጕዳል ዝገበሩዎ ፈተነ ኣይሰለጠን


ኢላን ማስክ
ኢላን ማስክ

ሓደ ካብ ሃብታማት ዓለም ምዃኑ ዝንገበርሉ ኢላን ማስክ ንመራኸቢታት ትካል ትዊተር ንምዕብላል ክገብሮ ዝጸንሐ ፈተነ ነዊሕ ከከራኽር ጸኒሑ’ዩ። ተቓውሞ ኣንጻር ማስክ ካብ ሰብ-ቦርድ እቲ ትካልን ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት’ዮም።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ቦርድ ትዊተር፡ ንወናኒ ተስላን ሓደ ካብ ሃብታማት ዓለም ምዃኑ ዝንገበርሉን ኢላን ማስክ ነቲ ትካል ንምዕብላል ዝገብሮ ፈተነ ብኻልእ ሜላ ደው ከብሉዎ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዖም ነይሮም። እቲ “ፖይዘን ፒል” ("poison pill") ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ብልሓት፡ ነቶም ካልኦት ሰብ ብርኪ ብዝተሓተ ገንዘብ ክዕድጉ ከፍቅዱ እንከለዉ ንማስክ ግን እቲ ምርጫ ብምኽላእ’ዩ ነይሩ። ንሱ ምስ ዝኸውን ድማ እቲ ቢልዮነር ኣብቲ ትካል ዘለዎ ብርኪ ይቃጠን’ሞ ናይ ምቕላስ ሓይሉ ድማ ብእኡ መጠን ክንእስ ብዝብል ተስፋ’ዩ። ኣቐዲሙ ኣብ ትካል ትዊተር 9.2% ብርኪ ዝጸንሖ ማስክ፡ 43 ቢልዮን ዶላር ብምውሳኽ ነቲ ብርኩ ኣመና ከዕብዮ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ። በቲ ቀዲሙ ዝነበሮ ብርኪ’ውን ማስክ እቲ ዝለዓለ ወናኒ ብርኪ ኣብቲ ትካል’ዩ ነይሩ።

ቦርድ ትዊተር ነቲ ትልሞም ግልጺ ምስ ገበሩዎ፡ ማስክ እቲ ትካል ውዕሉ ይሰብር ምህላዉ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ማስክ ኣባል ቦርድ እቲ ትካል ንምዃን ዝተገብረ ፈተነ፡ ካብ ሓያሎ ሰብ-ብርኪን ተጠቀምቲን ዓቢ ኣሉታዊ ግብረ-መልሲ ስለ ዘስዓበ እቲ ሓሳብ ጸኒሑ ወዲቑ’ዩ። እንተዀነ ኣብቲ ትካል ዘለዎ ብርኪ ግሉጽ ካብ ዝኸውን ንደሓር፡ ነቲ ወትሩ ኣዛራቢ ዝዀነ ባህሪያቱ ዘንጸባቕ መልእኽቲ ትዊተር ክፍኑ ጸኒሑ’ዩ።

ብእኡ ምኽንያት ድማ ትካል ትዊተር እቲ ዘለዎ ክብሪ ክጎድል ስለ ዝጀመረ፡ ቦርድ እቲ ትካል ንስሞም ዝዕቅብሉን ጽልዋ ማስክ ኣብቲ ትካል ዘጕድልሉን ኣገባብ ከናድዩ ምጽናሖም ይፍለጥ። እቲ ኣብቲ ትካል ዘለዎ ብርኪ ንዘይምዕባይ ዝገበሩዎ ፈተነ እምበኣር ሓደ ካብቲ ብልሓታት ክኸውን እንከሎ፡ ኢላን ማስክ ግን ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝግበር ክልከላ’ውን ተጣቢቡ ክሰግሮ ዝወሰነ ይመስል።

ሕጂ ዝወጽእ ዘሎ ዜና እቲ ብሊዮነር ብኻልእ ብልሓት ነቲ ዝደልዮ ዕላማ ዝሃረመ ይመስል። ኣብ ክንዲ ካብቲ ትካል ብቐጥታ ብርኪ ምግዛእ ድማ ንዕኡ ሰጊሩ ካብ ወነንቲ ብርኪ ይገዝእ ኣሎ። መዛግብቲ ከም ዘመልክቱዎ ድማ ወናኒ ተስላን ስፓይስ ኤክስን ዝዀነ ማስክ፡ እቲ ኣቐዲሙ መዲቡዎ ዝነበረ 46.5 ቢልዮን ወፍሪ ኣብ ትካል ትዊተር ገይሩዎ ኣሎ።

ትካል ትዊተር በቲ ዘይተጸበዮ ክውንነት ዝተገረመ ይመስል። ጸኒሑ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ድማ እቲ ትካል ዘድሊ ምርመራ ክገብር ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። ከም መግለጺ ትዊተር ድማ እቲ ዕድጊ ናይ ማስክ ነቶም ካልኦት ወነንቲ ብርኪ ብዘይሃሲን ንውድዓውነት እቲ ትካል ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘየእቱን ክኸውን ከም ዝሰርሑ ይጠቕሱ።

እቲ ትካል ብዘለዎ ኣቃውማ ድማ ንመሰል ሓሳብካ ምግላጽ ንቕድሚት ከቕጽል ይዅን ኣብ ወፍሪ ክዕወት ውሑድ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ዝሰደዶ መልእኽቲ ትዊተር ጠቒሱ ነይሩ።

ዛጊት ግን ትካል ትዊተር ንሓድሽ ዕድጊ ኢላን ማስክ ደው ከብሎ ዲዩ ወይስ ኣብኡ ክርዕም ዝገበሮ ወግዓዊ መግለጺ የሎን። ማስክ’ውን እቲ ተግባራት ምስ ምዕፋን ሓሳብካ ምግላጽ ክተኣሳሰር ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG