ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ፓርቲታት ክልል ዓፋር ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ምርጫ ሶማል ንዘእተዎም ሰለስተ ቀበሌታት ከምዘይቕበልዎ ኣፍሊጦም


ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ዓፈር ንዝርከቡ ሰለስተ ቀበሌታት ኣብ ክልል ምርጫ ሶማል ምእታዉ ኣይንቕበሎን ኢና ክብሉ ክልተ ፓርትታት ክልል ዓፈር ኣፍሊጦም።

እቲ ቦርድ: ምትዕርራይ እንተዘይገይሩ፡ ኣብ ምርጫ ክሳብ ዘይምስታፍ ክበጽሕ ዝኽእል ውሳነ ከሕልፉ ከም ዝኽእሉ`ውን ኣሰሚዖም ኣለዉ።

ቦርድ ምርጫ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቶም መደበራት ምርጫ፡ ሰባት ኣብ ቀረብኦም ናይ መምረጺ ቦታ ረኺቦም መታን ክመርጹ ዝተዳለወ`ምበር ናይ ወሰን ምምሕዳር መግለጺ ኣይኮነን ኢሉ`ሎ።

ብዛዕባ`ቲ ክርክር ካብ ናጻ ወገን ንምጽራይ ድምጺ ኣሜሪካ ዝገበሮ ጻዕሪ ንግዚኡ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG