ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንክልተ ዓለምለኸ ጉጅለታት ተዓዘብቲ ኣፍልጦ ምሃቡ ገሊጹ


ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ፣ ንክልተ ዓለምለኸ ጉጅለታት ተዓዘብቲ ኣፍልጦ ከምዝሃበ ገሊጹ።

እቲ ቦርድ ኣፍልጦ ዝሃበ፣ ንጉጅለ ተዓዘብቲ ዓለምለኸ ሪፐብሊካን ኢንስትትዩትን ዓለምለኸ ዲሞክራቲክ ኢንስትትዩትን እዩ።

እቲ ቦርድ፣ እቶም ትካላት ንዘቅረብዎ ሜላ መጽናዕቲ ገምጊሙ፣ ንመሰረታዊ መትከላት ዓለምለኻዊ ተዓዘብቲን ዓለምለኻዊ መትከላት ስነ ምግባር ብዝስዕብ ኣገባብ ከምዝሰርሑ ናብ ስምምዕነት ስለዝፈለጠ፣ ናይ ምዕዛብ ኣፍልጦ ከምዝሃበ ገሊጹ ኣሎ።

ብሰንኪ ኮቪድ 19፣ እቶም ዓለምለኸ ተዓዘብቲ፣ ዝፍጽምዎ ተግባርን ደረት ቦታ ከምዝህልዎ፣ እዚ ድማ ንስራሕቶምን ዝበጽሕዎ መደምደምታን ዝገልጽ ከምዝኾነ፣ እቶም ተዓዘብቲን ምስ’ቲ ቦርድ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሑ እቲ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG