ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦርድ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ንብልጽግና ፓርቲ ናይ ኣፍልጦ ሰርቲፊኬት ክህብ ወሲኑ


ወሃቢ-ቃል ብልጽግና ፓርቲ ኣቶ ኣወል ኣብዲ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ፡ “ ናብ`ዚ ደረጃ`ዚ ብምብጻሕና ንኹሎም ኣባላትናን ንምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያን እንቋዕ ኣሓጎሰና” ኢሉ። ብልጽግና ፓርቲ ንኽምስረት ዘይድግፉ ሓይልታት ክምለሱ`ዮም ኢልና ኢና ንጽበ ዝበለ ኣቶ ኣብዲ፡ ዝቕጽል ጉባኤ ክሳብ ዝካየድ እቲ ኣብ ኢህወደግ ዘሎ ቤት ምኽሪ ኣብ ብልጽግና ፓርቲ`ውን ነዛ ሃገር ምምሕዳሩ ክቕጽል`ዩ ኢሉ።

ሕወሓት ኣብ ኣደባባይ ንምምስራት ብልጽግና ፓርቲ ስለ ዝተቓወመ ጉዳይ ሕወሓት እንታይ ክኸውን`ዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ ኣወል፡ “ እቲ ኣጀንዳ ካብ መፈለምትኡ ብሓባር ኮይና ስለዝጀመርናዮ፡ ሕጂ`ውን ምስ ኣባላትና ተመኻኺርና ወሲና ክንመጽእ ኢና ኢሎም`ዮም ኸይዶም`ምበር ብደገ ከምዝዝረብ ብወግዒ ወጺእና ኢና ኣይበሉን “ ኢሉ።

ኣተሓሒዙ፡ “ ብናትና እምነት በቲ ዝተዋህቦም ናይ ግዜ ደረት ወሲኖም ክመጹ`ዮም ዝብል ግምት`ዩ ዘለና” ኢሉ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ብልጽግና ፓርቲ ኣቶ ኣወል ኣብዲ። ኣይንምለስን ኢሎም እንተወሲኖም ኣብ መንግስቲ ዘለዉ ሚንስትራትን ሰበ-ስልጣንን ኣባላት ሕወሓት ዕጭኦም እንታይ`ዩ ክኸውን ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ድማ፡ ብገዛኢ ፓርትን ብመንግስትን ሽዕኡ ዝውሰን`ዩ ዝኸውን፡ ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ግን ብእኡ ደረጃ ተዘሪብሉ ዝተቐመጠ ነገር የለን ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG