ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦርኪኖፋሶ: ድሕሪ ዳሕረዋይ ዕልዋ መሪሕነት ዝሓዘ ትራዎረ ኣብ መዝነት ከምዘይጸንሕ ይገልጽ


ሓድሽ መራሒ'ቲ ስልጣን ዝሓዘ ወታሃደራዊ ሓይሊ ቡርኪናፋሶ ትራዎረ
ሓድሽ መራሒ'ቲ ስልጣን ዝሓዘ ወታሃደራዊ ሓይሊ ቡርኪናፋሶ ትራዎረ

34 ዓመት ዝዕድሚኡ ሓድሽ መራሒ'ቲ ስልጣን ዝሓዘ ወታሃደራዊ ሓይሊ ቡርኪናፋሶ ትራዎረ ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ከም ዘይጸንሑን ኣብ መወዳእታ'ዚ ዓመት ሓደ ሃገራዊ ጉባኤ ሓድሽ ግዚያዊ መራሒ ከምዝምዘዝን ኣፍሊጡ።

ትራዎረን ብጾቱን ንጾር መነባብሮ ህዝቢ'ታ ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዝደኸያ ሃገራት ዝኾነት ቡርኪናፋሶ ንምቅላል ዓበይቲ ብድሆታት ይጽበይዎም ኣለዉ።

ብቀንዱ ፖለቲካን ጎንጽን ዝጠመተ ምኻኑ ይግለጽ'ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብዕልዋ ካብ ስልጣን ዝተኣለየ ፖል ሄንሪ ሳንዳጎ ዳሚባ ድሕሪ ስለስተ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "መዝነተይ ኣረኪበ ኣለኹ" ኢሉ።

ዳሚባ ወሲኹ ሰብ ጊዜ መራሕቲ’ታ ሃገር፣ ኣብ ስርሖም ዓወት ተመንዩሎም፣ ከምኡውን ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ምምቅቓል፣ ንሓድነት ንክሰርሑ ኣተባቢዑ።

ብዘይካ'ዚ፣ ስልጣን ንምብሓት ዝተፈጸመ ተግባርን ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ሰራዊት ዘጋጠመ ቅትለትን ኮኒኑ።

ሎም ዘበን፣ ብዕልዋ ስልጣን መንዚዑ ዝነበረ ዳሚባ፣ ካብ ስልጣን ወሪዱ፣ ኣብ ጎረቤት ሃገር ቶጎ ናብራ ስደት ንክህልዎ ከምዝተሰማመዐ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG