ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦርኪኖፋሶ ሰፊሕ ጸረ ግብረሽበራ ሓይሊ ኣብ ሳሕለ ኣፍሪቃ ክህልው ጸዊዓ


ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ቡርኪና ፋሶ ኣልፋ በሪ - ፋይል
ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ቡርኪና ፋሶ ኣልፋ በሪ - ፋይል

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ቡርኪና ፋሶ ኣብ ከባቢ ሳሕለሰሃራ ኣፍሪቃ ንዘሎ ግብረሽበራ ንምግጣም ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታን ምስ ዝፈጠሮ ጥምረት ፀረ ግብረሽበራ ዝመስል ሕብረት ክፈጥር ፀዊዖም።

እቲ ዞባ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንስግኣት ጥሩፋትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ዝዋጋእ ካብ ሃገራት ቡርኪና ፋሶ፣ቻድ፣ማሊ፣ሞሪሺዮስን ኒጀርን ዝተአኻከቡ ወታሃደራት ዝቖመ G5 ዝተባህለ ሓባራዊ ሓይሊ ከምዘለዎ ይፈልጥ።

እዚ ሓይሊ ካብ ዝፍጠር ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ንዋና ቤት ፅሕፈቱ ዒላማ ዝገበረ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ሓዊሱ ዕንቅፋታት ገጢሙዎ’ሎ።

እቲ ናይ ሕብረት ሓይሊ ነቲ ከባቢ ዘረጋግእ ኣብ ማሊ 16 ሽሕ ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቻድ ድማ 3,000 ወታሃደራት ፈረንሳ ኣለዎ።

እዞም ሰለስተ ሓይልታት ኣብቲ ዞባ እንተሃለው እውን ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ቡርኪና ፋሶ ኣልፋ ቤሪ ብኣስተርጓሚ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብዝሃብዎ ቃል ግብረ ሽበራን ኣብ መንጎ ዓሌታት ዝፍፀሙ ጎነፃትን ይጋደድ ብምህላው ኣብ ኣሻቀሊ ኩነታት ምብጽሑ ገሊጾም ።

“ እዚ ስግኣት እዚ ይገድድ እዩ ዘሎ።ኣብ ሰሜን ማሊ፣ቡርኪና ፋሶ ዞሎ ኩነታት ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ኮይኑ’ሎ።እናሰፍሐን ካልእ ቅርፅን እናሓዘ ይኸይድ ስለዘሎ ሳዕቤኑ ድማ ሓደገኛ እዩ።”

ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ሃገሮም ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት፣ኣብዚ ሰሙን ን28 ወታሃደራት ዝቐተለ ኣብ ልዕሊ ወታሃደራት ኒጀር ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ፣ኣብ ሰሜን ቤኒን ዝተፈፀመ መጭወይትን ንዕኦም ንምድሓን ዝተኻየደ ስርሒትን ዘረጋግፆ ስፍሓት ናይቲ ስግኣት እዩ ኢሎም ።

ስለዚ ኣባል ሃገራት G5 በይነን ክምክትኦ ስለዘይኽእላ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነዚ ዝምክት ዓለምለኸ ጥምረት ምምስራት ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG