ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብG7 ዝፍለጥ ጉጅለ ሃብታማት ሃገራት ሰራዊት ኤርትራ ብቅልጡፍ ካብ ትግራይ ክወጽእ ጸዊዑ


"ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ትግራይ ብህጹጽን ብዝረጋገጽን አገባብ ንክወጹ" ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ብG-7 ዝፍለጥ ጉጅለ ሃብታማት ሃገራት ጸዊዖም።

ሎሚ ዓርቢ ዓመታዊ አኬበኦም ኣብ በርሊን ዘካየዱ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ብG-7 ዝፍለጥ ሃብታማት ሃገራት ነዚ መግለጺ’ዚ ዝዘርግሑ፣ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ’ዚ ቀረባ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ እዮም ድሕሪ ምባሎም እዩ።

G-7 (ጉጅለ ሸውዓተ) ኣብ መግለጺኡ፣ ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣብ ትግራይ፣ ንሰላማዊያን ሰባት ክከላኸልሎም፣ ሰብኣዊን ዓለምለኻዊ ሕጊታት ንከኽብሩን አተሓሳሲቦም።

ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፣ ካናዳ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያ፣ ጃፓንን ኣሜሪካን ምስ ላዕለዋይ ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ፣ ውግእ ኣብ ትግራይ ንከብቅዕ፣ ንተጋሩ ዝሓወሰ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን፣ ኣብ ንጹርን ኩሉ ዝሓቁፍ ፖለቲካዊ መስርሕን ንክኣትውን ኣዘኻኺሮም።

‘እቲ መስርሕ’ ይብሉ ንሳቶም "ናብ ተኣማኒ ምርጫን ሃገራዊ ዕርቂን ንክቅጽል ሓጋዚ እዩ።" አብ’ዚ ቀረባ ዝተቃልሑ "መግሃስቲን ግፍዒታትን፣ ግህሰት ዓለምለኸ ሕጊታት ኣብ ትግራይ ከምዘሻቅሎም’ውን" ኣፍሊጦም ኣለው።

"ቀ/ሚ አብዪ አሕመድ፣ ሰራዊት ናብ ትግራይ አትዮ ንመራሕቲ ህወሓት ንክሕዙን ዕጥቂ ንከፍትሑን ከምዝኣዘዙ" ዝጠቅስ እቲ ዜና እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ፌደራል ሰራዊት መጥቃዕቲ ፈጺሙ እዩ ኢሎም ተሓታቲ ከምዝገብሩ’ውን ሓቢሩ።

ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት፣ ሰራሕተኛታት ረድኤት፣ ነበርቲን ገለ ኢትዮጵያዊያን ሰበ ስልጣንን ዋላ’ውን ኣለው እንተበሉ፣ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንኣዋርሕ ንህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ክነጽጉ ከምዝጸንሑ ዝዝከር እዩ’ ይብል።

ንሃብታማት ሃገራት ዝሓቆፈ ጉጅለ ሸውዓተ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምልጋስን ንዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንምጽራይን ቅሩባት ኣለና ኢሉ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG