ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብጥይት ዶ ወይስ ብኤለክትሪክ? ትግባረ መቕጻዕቲ ሞት ደቡብ ካሮሊና ጠመተ ይስሕብ


ሪቻርድ ሙር
ሪቻርድ ሙር

ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ደቡብ ካሮሊና ኣብ ተርታ-ሞት ክጽበ ዝጸንሐ ዜጋ፡ ዝሞተሉ ግዜ ብምቕራቡ፡ ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ሞት መዛረቢ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ። ኣብ 1999 ብዝፈጸሞ ገበን፡ ንሞት ተፈሪዱ ኣብ ተርታ-ሞት ክጽበ ዝጸንሐ ኣፍሪቃዊ-ኣመሪካዊ፡ ወዲ 57 ዓመት ሪቻርድ ሙር ንዕለት 29 ናይዚ ወርሒ’ዚ’ዩ ፍርዱ ክፍጸም ተመዲቡ ዘሎ። እዚ ብሞት ምቕጻዕ ኣብታ ክፍሊ-ሃገር ኣብ ዓሰርታት ዓመታት ንፈለማ እዋን’ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ እቲ ቀንዲ ኣቓልቦ ስሒቡ ዘሎ ግን እቲ ቀሪቡ ዘሎ ክልተ ኣማራጺታት ኣፈጻጽማ ፍርዲ ሞት’ዩ። ኣቐዲሞም ንሞት ዝተፈርዱ ገበነኛታት መርዚ ብመርፍእ ብምውጋእ ህይወቶም ክሓልፍ ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ ኣፍረይቲ መድሃኒት ነቲ ተግባር ብምቅዋም፡ ስሚ ኣብ ምስራሕ ምትሕብባር ኣብየን። ስለዚ ድማ እቲ ተሪፉ ዘሎ ምርጫ ኣብ ኤለክትሪክ ሰድያ ምቕማጥን ብረሸንቲ ጥይት ምቕታልን’ዩ። ሪቻርድ ሙር ድማ እቲ ብሰለስተ ሰባት ዝግበር ምርሻን ብጥይት ከም ዝመርጽ ብዓርቢ ኣፍሊጡ።

ተሓለቕቲ መሰላትን ጠበቓ ሙርን እቲ ተግባር ንባርባራዊ ኣተሓሕዛ ዓሌት’ዩ ብምባል ፈጺሙ ክተርፍ ኣቤቱታቶም የስምዑ ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG