ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ ካብ ፕረ. ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተላእኸ መልእኽቲ ናብ ፕረ. ሱዳን ኣብጺሑ


ርክብ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን
ርክብ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን

ብሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ፕረዚደንት ሱዳን ተራኺቡ ካብ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተላእኸ መልእኽቲ ከምዘብጸሐ ተሓቢሩ።

ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ንተራ ኤርትራ ኣብቲ ፈታኒ ናይ ምስግ ጋር እዋን ብምድናቕ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ሱዳንን ተፈጢሩ ንዘሎ ኩለንትናዊ ጥቡቕ ዝምድና ዕግበቱ ከምዝገለጸ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ገሊጹ።

እቲ ብሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ ፡ ኣዛዚ ማእከላይ ዞባ መጀር ጀነራር ሮመዳን ኣውልያይ፥ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ መጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ ከምኡውን ሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ከምዝርከብዎ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

XS
SM
MD
LG