ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብድምጺ ወያነ ዝተመሓላለፈ መግለጺ ህውሓት ንእገዳ ቪዛ ኣሜሪካ


ህዝባዊ ወያነ ሐርነት ትግራይ ከምቲ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ብወረርቲ እናተጠቕዐ ስለዝኾነ ምስ ጨፍጨፍቲ ማዕረ ክምደብ ዝኽእለሉ ምኽንያት ፍጹም የለን ክብል ድምጺ ወያነ ብዝብሃል ናይቲ ውድብ ልሳን ዝተመሓላለፈ መግለጺ ህወሓት ነቲ ብኣሜሪካ ዝወጸ ናይ ቪዛ እገዳ ምላሽ ሂቡ።

ኣስዒቡ፡ ቅድሚ ኩሉ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኤስ ኣር 97​ ብዝብል 'ውልቀ መላኺ' ኣብ ዝበሎ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን 'ፋሺሽት' ኣብ ዝበሎ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድን ጭቡጥ ዝኾነ ናይ ቁጠባውን ዲፕሎማሲያውን ስጉምቲ ማዕቀብ ክወስድ ብምጅማሩ ህወሓት ኣድናቖቱ ይገልጽ ይብል።

እቲ መግለጺ ህወሓት ተባሂሉ ብድምጺ ወያነ ዝተመሓላለፈ መግለጺ "ይኹን`ምበር ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ብዛዕባ ምኽልካል ቪዛ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንኣባላት ህ​ወሓት`ውን ይምልከት`ዩ ምባሉ፡ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢን ሕጋዊ ኣካልን ዝፈጸሞ በደል የለን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሱ ንባዕሉ ከም ህዝቢ ትግራይ ተጠቃዓይን ናይ ወራር ግዳይን ምዃኑ ምምሕዳር ባይደን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይ ደገፍትን ክፈልጥዎ ይግባእ" ይብል ።

ስጉምቲ ኣሜሪካ ዳግም ክፍተሽ ንጽውዕ ዝብል መጸዋዕታ`ውን ኣቕሪቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG