ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብድሆን ዕድላትን ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ


ብድሆን ዕድላትን ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ
please wait

No media source currently available

0:00 0:54:18 0:00

ብድሆን ዕድላትን ህዝቢታት ቀርኒ ኣፍሪቃ

ህሉው ኩነታትን ብድሆን ከምኡ'ውን መጻኢ ዕድላት ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፣ ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያን’ከ እንታይ ይመስል? ኣብ ዝብል ተኽለብርሃን ገረዝግሄር ካብ ኣመሪካ ከምኡ'ውን ዳዊት ተኽለሃይማኖት ካብ ሽወደን ኣዘራሪብናዮም ኣለና።

ኣቶ ተኽለብርሃን "ከም ዳያስፖራ ተጋሩን ኤርትራዊያንን፣ ዓብዪ ሓላፍነት ኣለና። እዚ’ውን ተጀሚሩ ኣሎ። ጽቡቕ ውጽኢት’ውን እናምጸአ መጺኡ ኣሎ። እዚ ኲናት’ዚ ኣይንድግፎን። ነዚ ህዝቢ’ዚ ጥፍኣት፣ ባዕሉ ንባዕሉ ክጣፋእ የብሉን። ነዚ ከኣ ኣትሪርና ኢና ንቃወሞ ኢሎም ብሓደ ሰላማዊ ሰልፊ ወጺኦም’ዮም፡" ክብል ይገልጾ።

ኣቶ ዳዊት ተ/ሃይማኖት ብወገኑ "ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ነቲ ይኸውን ዘሎ ይድግፍ እዩ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። ህዝቢ ደላዪ ሰላም እዩ፣ ደገፍ ክንኮኖ፣ ነቲ ተዓቢሱ ዘሎ ድምጺ ንኽንኮኖ፣ ተራ ናይ ዳያስፖራ ኰይኑ ይስማዓኒ፡" ይብል።

XS
SM
MD
LG