ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ዝተአሰሩ ጋዜጠኛታት 274 ምብጽሑ ተገሊጹ


ኣብ 2020 ቁጽሪ ኣብ መላእ ዓለም ዝተአሰሩ ጋዜጠኛታት 274 ምብጽሑ ተገሊጹ ። ንደሕንነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ናፅነት ፕረስ ዘካየዶ መፅናዕቲ ዓመታዊ ዳህሳስ ከምዘመላኽቶ ቻይና፣ ቱርኪን ግብፂን እተን ንጋዜጠኛታት ዝሓሰማን ዝለዓለ ቁፅሪ ጋዜጠኛታት ዝ አሰራን ኮይነን ኣለዋ ።

ኣብ ቤላሩስን ኢትዮጲያን ዘሎ ዘይምርግጋኣት'ውን ንምእሳር ጋዜጠኛታት ምኽንያት ኮይኑ እዩ ። ከምኡ'ውን ኣብ ኣሜሪካ ብዝካየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ ስዒቡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም እዮም ።

ኣብ ቻይና ቫይረስኮረና ኣብዝተራእየሉ እዋን ጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲ ብዛዕብኡ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምውፀኦም ቤይጂንግ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣውሪዳቶም እያ ። ነዚኦምን ዝኣመሰሉን ጉዳያት ዘልዓሉ 274 ጋዜጠኛታት ኣብ 2020 ብደረጃ ዓለም ከምዝተኣስሩ ትካል ናፅነት ፕረስ ንደሕንነት ጋዜጠኛታት ዘውፀኦ ሓበሬታ የርኢ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ዝተአሰሩ ጋዜጠኛታት 274 ምብጽሑ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:47 0:00


XS
SM
MD
LG