ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዝሒ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ዝረኽቡ ኣሜሪካዊያን ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ ሕጂ እዋን ኣሜሪካ ንካልኦት ሃገራት ዝወሃብ ሓገዝ ከምዘተዓዝዝ ተገሊጹ


ኣሜሪካ: ክሳብ መወዳእታ’ዚ ወርሒ’ዚ፣ ን200 ሚልዮን አሜሪካዊያን ጸረ ኮቪድ 19 ክታበት ንምሃብ ዝሓዘቶ መደብ ንምዕዋት ምቕራባ ተሓቢሩ። ነዚ ኣመልኪቶም ርእይቶ ዝሃቡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ሃገሮም አብ ግጥም ጸረ ኮቪድ 19 ንካልኦት ሃገራት ትልግሶ ሓገዝ ዝያዳ ከምተዕዝዝ'ውን ገሊጾም።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዘረበኦም "ኩሎም እኹላት ኣሜሪካዊያን ክሳብ ድሕሪ 12 መዓልታት ኣብ ዘሎ ጊዜ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ክኽተቡ እዮም’" ኢሎም ኣረጋጊጾም።

ፕረዚደንት ባይደን"ኣብ ኣሜሪካ፣ መዓልታዊ 3 ሚልዮን፣ ኣብ ሓደ ሰሙን ድማ ንልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ክታበት ይዋሃብ ከምዘሎ" ጠቂሶም ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ፕረዚደንት ባይደን፣ ድሕሪ ካብ ካልኦት ዝመጸ ጸቅጢ፣ ንጌይል ስሚስ፣ ኣተሓባባሪት ዓለምለኸ ወፍሪ ክታበት ኮቪድ 19 ንክትኮን መዚዞማ አለው።

ብዛዕባ ምምዛዝ ጌይል ስሚስ ርእይቶ ዝሃቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተኒ ብለንክን ‘"ይል ስሚስ፣ ኪኢላ ጥዕና ዓለም እያ፣ ናብ መላእ ዓለም መድሓኒት ንክከፋፈል ተጊሃ ዝሰርሐት ሰብ" ክብሉ ንኢዶምዋ።

XS
SM
MD
LG