ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ብዛዕባ ፖለቲካን ምሕደራን ንዛረብ ኢና፡ ኣብ ገዛ ነብሲወከፍና ግን ክነጻፍፎ ዝግብኣና ምሕደራ`ሎ` ኣቶ ተስፋይ መንግስ


ሃገር ኣብ ስድራቤት`ያ ትምስራሕ፡ እታ ስድራቤት`ያ ነቶም ናይ ጽባሕ ተተካእቲ ወለዶ ትሃንጽ ዝብል ፋርማሲስት ተስፋይ መንግስ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ `ፋርማሲ ካቴድራለ` ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ሕብረሰተብን ስድራቤታትን ዘሎ ክብርታትን ኣፈታትሓ ሽግራትን ብቐረባ ንኽግንዘብ ዕድል ከምዝሃቦ ይገልጽ።

ዓማዊል ማለት ተጠቀምቲ ፋርማሲ ህድእ ኣብ ዝብልሉ እዋን ክሕንጥጦ ዝጀመሮ ጽሑፋት፡ ናብ`ዚ ናብ ኣሜሪካ ምስ መጸ፡ ከጻፍፎን ናብ መጻሕፍቲ ከብቅዖን ከም ዝኸኣለ`ውን የብርህ።

“ሃገር ኣብ ስድራቤት`ያ ትምስራሕ፡ እታ ስድራቤት`ያ ነቶም ናይ ጽባሕ ተተካእቲ ወለዶ ትሃንጽ፡ እቲ ዝዓበየ ሓላፍነት ናይ ወለዲ፡ ጥዑይ ዜጋ ንሕብረተሰብ ምብርካት`ዩ፡ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ፖለቲካን ብዛዕባ ምሕደራን ንዛረብ ኢና፡ ንሕና ግን ኣብ ገዛና ኣብ ነብስወከፍ ገዛ ምሕደራ`ሎ። ክነጻፍፎ ዝግብኣና ነገር ንገብር ኣለና ዲና? ጥርኑፍ ሕብረተሰብ ንምስርት ኣለና ዲና? ” ይብል ኣቶ ተስፋይ።

`ተስፎምን ሃብቶምን` ዘርእስታ ቀዳመይቲ መጽሓፉ ኣብ`ዚ ቅንያት`ዚ ዝዘርግሓ ክኸውን ከሎ፡ `ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን` ትብል ካልአይቲ መጽሓፉ ድማ ኣብ ቀረባ ከምዝትዝርጋሕ ኣፍሊጡ`ሎ።

ምስ ደራሲ ተስፋይ መንግስ ዝተኻየደ ዕላል ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG