ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ነቲ 'ዋሕዚ ጻዕዳ ደብዳበ ናብ ጻዕዳ ቤተ መንግስቲ' ዝብል ወፍሪ ይሳተፉ ምህላዎም ተገሊጹ


ወፍሪ "ዋሕዚ ፃዕዳ ደብዳበ ናብ ፃዕዳ  ቤተ መንግስቲ’’ 
ወፍሪ "ዋሕዚ ፃዕዳ ደብዳበ ናብ ፃዕዳ  ቤተ መንግስቲ’’ 

ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠሙ ሽግራትን ዝተሓላለኹ ጉዳያትን መፍትሒ ንምሃብ ኣብ ዝካየድ ፃዕሪ ኣመሪካ ዝለዓለ ጥንቃቐ ክትገብር "ዋሕዚ ፃዕዳ ደብዳበ ናብ ፃዕዳ ቤተ መንግስቲ’’ ተባሂሉ ኣብ ዝተፀውዐ ወፍሪ ሰራሕተኛታት ሚንስትሪ ባህልን ቱሪዝምን ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ወፍሪ ንጉዳይ ህልውና ሃገር ወሳኒ ምዃኑ እውን ሚንስትር ባህልን ቱሪዝምን ዶ/ር ሂሩት ካሳ ኣፍሊጠን።

እዚ ናይ ዜጋታት ዲፕሎማሲያዊ ፕሮግራም ኣብ ኣዳራሽ ብሄራዊ ቲያትር ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ ናብ ዋይት ሃውስ ክልኣኹ ዝተዳለው ሸውዓተ ዓይነታት ደብዳበታት ኣብቲ ሓደ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣተወተቶ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያዊን ቅልውላው ወፂኣ ዴሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ክትሃንፅ ኣሜሪካ ብዕቱብ ክትድግፋ ይፅውዕ።

እቲ ወፍሪ ቅድም ክብል ብኢትዮጵያዊያን መናእሰይ ኣስታት ሓሙሽተ ሚሊዮን ዜጋታት ፊርማ ብምትእኽኻብ ንፕረዚደንት ባይደን ንምልኣኽ ዝጀመሩዎ ከምዝኾነ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG