ትካል መድሃኒት ኤውሮጳ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣስትራ ዘንካ ምስ ምርጋእ ደም ሳሕቲ ምትእስሳር ረኺበ ስለዝበለ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ኣጠቓቕማ'ቲ ክታበት ሓዲሽ መምርሕታት የውጽኣ`ለዋ።
ንክታበት ኣስትራ ዘንካ ዘፍርይዎ ሳይንትስትታት ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ምስ ናይ ሽወደን ሰራሒ መድሃኒት ትካል ብሓባር ክኾኑ ኸለዉ- ብሪጣንያ ሕጂ ንትሕቲ 30 ዓመት ዕድመ ካልእ ኣማራጺ ከቕርብ`የ ትብል ኣላ።
ስፐይንን ፊሊፕኒስን ንልዕሊ 60 ዓመት ጥራይ ክንጥቀመሉ ኢና ክብላ ከለዋ-ኢጣልያ`ውን ንኣጠቓቕማ ኣስትራ ዝነካ ብዝምልከት ተመሳሳሊ መምርሒ ኣውጺኣ`ላ ።
ክታበት ኣስትራዘንካ ኣብ ብሪጣንያ ቀንዲ ክታበት ኮይኑ ጸኒሑ`ዩ- ሕሱርን ንክትጥቀመሉ ዝቐለለን`ውን ኮይኑ ጸኒሑ`ዩ።
ማእከል ምክልካልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣሜሪካ ኣብ ብሪጣንያ ዝተራእየ ቢ-1.1.7 ዝተባህለ ዓይነት ቫይረስ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ`ውን ካብ ዝሓለፈ መጋቢት ጀሚሩ ዓብላሊ ቫይረስ ክኸውን`ዩ- ኢሉ`ሎ። እቲ ቫይረስ ዝያዳ ተመሓላላፊን ቀታልን ምዃኑ`ውን ይንገረሉ።
ኣሜሪካ 30 ሚልየን መትሓዝቲ ብምምዝጋብ ቀዳመይቲ ምዃና ቀጺላ'ላ:ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንቁጽሪ ዝተኸተቡ ኣብ ቀረባ 2 ሚልየን ክንብጽሖም ኢና ይብል ኣሎ ።