ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዙሓት ሃገራት ኣብ ኣጠቓቕማ ክታበት ኣስትራዘንካ ሓድሽ መምርሒታት የውጽኣ ኣለዋ


ትካል መድሃኒት ኤውሮጳ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣስትራ ዘንካ ምስ ምርጋእ ደም ሳሕቲ ምትእስሳር ረኺበ ስለዝበለ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ኣጠቓቕማ'ቲ ክታበት ሓዲሽ መምርሕታት የውጽኣ`ለዋ።

ንክታበት ኣስትራ ዘንካ ዘፍርይዎ ሳይንትስትታት ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ምስ ናይ ሽወደን ሰራሒ መድሃኒት ትካል ብሓባር ክኾኑ ኸለዉ- ብሪጣንያ ሕጂ ንትሕቲ 30 ዓመት ዕድመ ካልእ ኣማራጺ ከቕርብ`የ ትብል ኣላ።

ስፐይንን ፊሊፕኒስን ንልዕሊ 60 ዓመት ጥራይ ክንጥቀመሉ ኢና ክብላ ከለዋ-ኢጣልያ`ውን ንኣጠቓቕማ ኣስትራ ዝነካ ብዝምልከት ተመሳሳሊ መምርሒ ኣውጺኣ`ላ ።

ክታበት ኣስትራዘንካ ኣብ ብሪጣንያ ቀንዲ ክታበት ኮይኑ ጸኒሑ`ዩ- ሕሱርን ንክትጥቀመሉ ዝቐለለን`ውን ኮይኑ ጸኒሑ`ዩ።

ማእከል ምክልካልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣሜሪካ ኣብ ብሪጣንያ ዝተራእየ ቢ-1.1.7 ዝተባህለ ዓይነት ቫይረስ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ`ውን ካብ ዝሓለፈ መጋቢት ጀሚሩ ዓብላሊ ቫይረስ ክኸውን`ዩ- ኢሉ`ሎ። እቲ ቫይረስ ዝያዳ ተመሓላላፊን ቀታልን ምዃኑ`ውን ይንገረሉ።

ኣሜሪካ 30 ሚልየን መትሓዝቲ ብምምዝጋብ ቀዳመይቲ ምዃና ቀጺላ'ላ:ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንቁጽሪ ዝተኸተቡ ኣብ ቀረባ 2 ሚልየን ክንብጽሖም ኢና ይብል ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG