ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዕጡቓት መጥቃዕቲ ዝበፅሖም ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዋልታ ፖሊስ ናብ ከተማ መቐለ ኣትዮም


mekelle city
mekelle city

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብዕጡቓት መጥቃዕቲ ዝበፅሖም ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዋልታ ፖሊስ ትግራይ ናብ ከተማ መቐለ ኣትዮም።

ህይወቱ ዝሓለፈ ተፃዋቲ ብቀዳም ስነ ስርዓት ቀብሩ ዝተፈፀመ ኮይኑ ዝቖሰሉ ድማ ሕክምና ይረኽቡ ምህለዎም ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ኮማንደር ሙሉ ዶሞዝ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም።

ንሶም ሓደጋ ዘብፅሑ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይ ምውዓል ስርሓት ምስ መንግስቲ ዓፋርን ሰራዊት ምክልኻልን ብሓባር ይስራሕ ምህላዉ ገሊፆም ሓደሽቲ ምዕባለታት ኣለዉ እሞ ኣብ ቀረባ እዋን ንህዝቢ ክነፍልጥ ኢና ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG