ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ጽዒና ትጉዓዝ ዝነበረት ጀልባ ኣብ ገማግም ቱኒዝያ ምጥሓላ ተገሊጹ


ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ጽዒና ማእከላይ ባሕሪ ተቛርጽ ዝነበረት ጀልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ምጥሓላ ምንጭታት መንግስቲ ቱኒዝያን ቀይሕ ወርሒ ጨንፈር ቱኒዝያን ሓቢሮም።

እቶም ስደተኛታት ካብ ሊብያ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ይጉዓዙ ከምዝነበሩ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ሓደ ካብ አባላት ቀይሕ ወርሒ ቱኒዝያ ሞንጊ ስሊም ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ካብቶም ኣርባዕተ ብህይወት ዝደሓኑ ዝረኸብዎ ሓበሬታ እታ ጀልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ዛርዚስ ምጥሓላ ገሊጾም ኣለው።

ካብቶም ኣርባዕተ ብህይወት ዝደሓኑ ሓደ ኣብ ሆስፒታል ምስ በጽሓ ምሟቱ ሞንጊ ስሊም ወሲኾም ገሊጾም።

እቶም ብህይወት ዝደሓኑ ስደተኛታት ካብ ከተማ ዛውራ ሊብያ ዝተበገሱ ምዃኖምን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ምጥሓሎምን ንሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ገሊጾም ኣለው።

ኣብ ሊብያ ዘሎ ኹናት ነቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት እንተጉደለ ብዝሒ ዘለዎም ሊብያዊያን ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ የገድድ ምህላው ሰበ ስልጣን ዓለምለኸ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት የጠንቅቑ።

XS
SM
MD
LG