ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዋሕዚ ስደተኛታት ዝሰግአት ኤውርጳ መንደቕ ንምስራሕ ትውጥን


ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ መራሕቲ ኤውሮጳ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንዝወጠኑዎ መንደቕ መክሲኮ ሓጪጮምን ነቒፎምን ነይሮም። ሕጂ ግን ኣብቲ ሓሳብ ርዒሞም ጥራይ ዘይኰነስ ካብቲ ክመጾም ዝኽእል ዋሕዚ ስደተኛታት ንምልኻል፡ ሃገራት ኤውሮጳ መንደቕ ንምስራሕ ኣብ ምጉያይ ኣለዋ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብወገን መክሲኮ ንዝመጹ ስደተኛታት ንምዕጋት፡ መንደቕ ክሰርሑ ምዃኖም ምስ ተዛረቡ፡ መራሕቲ ኤውሮጳ ተሪር ነቕፌታ’ዮም ኣስሚዖም። ኣብቲ እዋን ዋና ጸሓፊት ወጻኢ ፖሊሲ ዝነበራ ፈደሪካ ሞግሪኒ፡ “መንደቕ ዓንዩ፡ ድልድል ክስራሕ እንከሎ ኢና ንጽንብል፡” ኢለን ነይረን።

ሕጂ ግን ኤውሮጳ፡ ስደተኛታት ንምኽልካል መንደቕ ኣብ ምስራሕ’ያ ትጓየ ዘላ።

ቀንዲ ስክፍታ ኤውሮጳዊ ሕብረት ካብ ኣፍጋኒስታን ክመጹ ንዝኽእሉ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት’ዩ። ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣፍጋኒስታን ብምርድዳእ ድማ እቶም ስደተኛታት ኣብኡ ዝተርፉሉ መገዲ ኣብ ምንዳይ ኣላ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መወዳእታ’ዚ ዓመት’ዚ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኣፍጋናውያን ካብ ሃገሮም ክስደዱ ምዃኖም ይትንበ። ኤውሮጵዊ ሕብረት እምበኣር ቢልዮናት ዩሮ ኣውጺኡ፡ እተን ጎረባብቲ ሃገራት ከም ሓጹር ዘገልግላሉ መገዲ ኣብ ምንዳይ’ዩ ዘሎ። ፓኪስታን፡ ታጃኪስታንን ዑዝበኺስታንን ግን ኣብቲ ሓሳብ ዝርዓማ ኣይመስላን። ከም መሰጋገሪ ንሓተትቲ ዑቕባ ደኣ’ምበር ከልከልክቲ ክዀና’ውን ፍቓደተኛታት ኣይመስላን።

ብቐዳም ቻንስለር ኣውስትሪያ ሰበስቲያን ካርዝ፡ እቲ ናብ ኤውሮጳ ዓሊሙ ዘሎ ጕዕዞ ስደተኛታት ብዝዀነ ይዅን መገዲ ድው ክብል ከም ዘለዎ ተዛሪቦም። ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑወል ማክሮን’ውን፡ ኤውሮጳ ነቲ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወርዳ ዝኽእል ዋሕዚ ስደተኛታት ክትከላኸል ግቡኣ ምዃኑ ኣመልኪቶም ነይሮም።

ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ 2013-16 ዝነበረ ዋሕዚ ስደተኛታት ማእከላይ ምብራቕ፡ ሃገራት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃን ማእከላይ ኤሳይን ዝመሳሰል ተርእዮ ከይድገም’ዩ ቀንዲ ስግኣተን።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝነበረ ህጹጽ ኣኼባ ሚኒስተራት 27 ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኵላተን ንምክልኻል ስደተኛታት ሓቢረን ክሰርሓ ተሰማሚዐን ኣለዋ።

እቲ ተኽእሎታት ዋሕዚ ስደተኛታት ኣፍጋን፡ ንሃገራት ባልቲክን ባልካንን ዶባተን ከጽንዓ ምልክት ኰይነወን ኣሎ። ግሪኽ ብወገና ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣስታት 40 ኪሎ-ሜተር ዝዝርጋሕ መንደቕ ሰሪሓ ኣላ። እቲ ብወገን ቱርኪ ኣብ ዘዳውብ ተሰሪሑ ዘሎ መንደቕ ግሪኽ፡ እንኮላይ ዘመናዊ መከታተሊ ዝሓዘ ኰይኑ፡ ነቶም ስደተኛታት ብቐጥታ ንምምላሶም ዘኽእል’ዩ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣስታት 45% ብመገዲ ግሪኽ ዑቕባ ዝሓተቱ ዜጋታት ኣፍጋን’ዮም ነይሮም። መራሕቲ ግሪኽ እምበር፡ ዶባቶም ዓጽዮም ንክመጽእ ዝኽእል ማዕበል ስደተኛታት ክገትኡ ድሉዋት ምህላዎምን ኢዶም ኣጣሚሮም ከም ዘይርእዩን ይምጕቱ ኣለዉ።

ገና መዓልታዊ መንደቓት ይሰፍሕ ደኣ ይሃሉ እምበር፡ ዛጊት ሃገራት ኤውሮጳ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኪሎ-ሜተር ዝዝርጋሕ መንደቕ ሃኒጸን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG