ዋሽንግተን —
ኣመሓደርቲ ክፍለግዝኣታት ፍሎሪዳን ቴክሳስን ብደቡባዊ ዶባት ኣንፈታት ኣመሪካ ኣቢሎም ዝኣትዉ ቁፅሪ ዕቁባ ሓተቲ ስደተኛታት ጠመተ ንምሃብ ናብተን ብዴሞክራሲያውያን ዝመሓደራ ከም ዋሽንግተን ዲሲ፣ ኒውዮርክን ካልኦት ክፍለግዝኣታትን ብኣሻሓት ዝቁፀሩ ስደተኝታት ክሰዱ ፀኒሖም እዮም።
ብኣሻሓት ዝቁፀሩ ስደተኛታት ብኣውቶቡሳት ተፀዒኖም ናብ ከተማ ኒውዮርክ ኣትዮም ኣለዉ።መብዛሕቲኦም ደቆም ዝሐሸ ህይወት ክረኽቡ ተስፋ ገይሮም ናብ ኣመሪካ ንምብፃሕን ብዙሕ ሓደገኛ ኩነታት ምስጋሮም ይገልፁ።