ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ ሶማል ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ሕ/ሃ ሓቢሩ


ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ካብ ሶማሊላንድ ናብ’ቲ ብደርቂ ተጠቒዑ ዘሎ ዞባ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ሕቡራት ሃገራትን ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያን ትማሊ ኣፍሊጦም።

ንሰበ-ስልጣን ዶሎ ዝጠቀሰ እቲ ዜና፣ ብመሰረት ሕ/ሃ ዝሃቦ ሪፖርት፣ ልዕሊ 98 ሽሕ ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ኣለው።

ኣብ ኢትዮጵያ ተወካሊ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ማማዱ ድያን ባልዴ ዛጊድ 29 ሽሕ ስደተኛታት መዝጊብና ኣለና ይብል። እዚ ኣሃዝ’ዚ፣ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናዛየደ ይኸድ ከምዘሎ’ውን ጠቂሱ።

ኢትዮጵያ፣ መብዛሕተኦም ደቡብ ሱዳናዊያን፣ ሶማልያዊያን፣ ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያንን ዝርከብዎም ኣስታት 880 ሽሕ ስደተኛታት ኣጽሊላ ከምዘላ ዝፍለጥ እዩ።

XS
SM
MD
LG