ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝተሰርሐት ደርፊ ኣብ መሰል ቅዳሕ ሕቶ ተልዕል


ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝተሰርሐት ደርፊ ኣብ መሰል ቅዳሕ ሕቶ ተልዕል
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:37 0:00

ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝተሰርሐት ደርፊ ኣብ መሰል ቅዳሕ ሕቶ ተልዕል

ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ተሰሪሓ፡ ንድምጺ ድሬክን ዘ-ዊክኢንድን ብምቕዳሕ፡ ሓያል ተሰማዕነት ዝረኸበት ደርፊ፡ ካብ ኣካፋፈልቲ መርበባት ክትእለ ተገይሩ። እዛ 'Heart On My Sleeve' ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህባ ደርፊ፡ መሰል ቅዳሕ ሰቢራ ብዝብል ምኽንያት’ያ ተኣልያ። እዚ ሓድሽ ተርእዮ ኣብቲ ዓውዲ ሓድሽ ምዕራፍ ከፊቱ ኣሎ።

እዛ 'Heart On My Sleeve' እትብል ደርፊ ቅድሚ ካብ ከም በዓል Spotifyን Apple Musicን ቅድሚ ምእላያ ብሚልዮናት ተሰሚዓ’ያ። እዛ ብጎስት ራይተር (@ghostwriter) ዝብል ስም ዝጽዋዕ፡ ክኢላ ቴክኖሎጂ ዝተሰርሐት ደርፊ፡ ነቶም ክልተ ህቡባት ድምጻውያን፡ ድምጾም ብምስልጣንን ምቕዳሕን’ያ ናታቶም ዝመስል ድምጺ ከተፍሪ ክኢላ። እዚ ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ (AI) ዝፈሪ ደርፊ መሰል ቅዳሕ ዝጥሕስ እንተዀይኑ ሓድሽ ክትዕ ከፊቱ ኣሎ።

ገለ ክኢላታት፡ እቲ መሰርሕ ንመሰል ቅዳሕ ዝጥሕስ ኣይኰነን ክብሉ ይምጕቱ። ብእኡ ምኽንያት ድማ እቲ ኣፍራዪ ሙዚቃ ዩኒቨርሳል ነታ ደርፊ ክትእለ ዝግበሮ ውሳነ ቅኑዕ ዘይምዃኑ ይምግቱ። ዩኒቨርሳል ነታ ደርፊ፡ ካብ መዘርግሒ ሙዚቃ ዝኣለያ፡ ኣፍራዪ ናይቶም ደርፍቲ ብምዃኑን ንድምጾም ብምቕዳሓን’ዩ።

እታ 'Heart On My Sleeve' እትብል ደርፊ ሓዳስ’ያ። ስለዚ ኣብ ኣሰራርዓ ሙዚቃ ኮነ ግጥሚ ናይ ዝዀነ ሰብ ስለ ዘይወሰደት፡ መሰል ቅዳሕ ሰቢራ ዝብል ክርክር ውዱቕ ይገብሮ። እንተዀነ፡ እቲ ዘዛርብ ዘሎ ንድምጺ እቶም ህቡባት ደርፍቲ ብምቕዳሕ፡ ከም ናቶም ገይራ ስለ ዝመስርሐት’ዩ። ስለዚ ከኣ ከም ኣገላልጻ ክኢላታት እዚ ኣጋጣሚ ነቲ ዓውዲ ከም ብሓድሽ ከም ዝቕለስ ዝገብር’ዩ። ኣብዚ እቲ ዝጥቀስ፡ ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝፈሪ ስራሓት ሙዚቃ ነየናይ ጥሒሱ ነየናይ’ከ፡ ሓድሽ ከም ምዃኑ መጠን፡ ብሕጂ ኣበይ ደረጃ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ንምፍላጥ የጸግም።

ቅድሚ ሕጂ ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝፈሪ ሙዚቃ ስለ ዘይጸንሐ፡ ኣብ መሰል ቅዳሕ ዘከራኽር ዛዕባ ኣይነበረን። ሕጂ ግን እቲ ዓውዲ እናዓበየ ይመጽእ ስለ ዘሎ፡ ሕጋውነት’ውን ማዕረኡ ክሰፍሕ ግድን ይኸውን።

ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ሙዚቃ ዘፍርዩ ካልእ መሰል ቅዳሕ ይጥሕሱ ከም ዘለዉ ክኢላት ይምጕቱ። ንሱ ድማ ንመሰል ፍሉይነት ድምጺ እቲ ደራፊ ምዃኑ’ዩ። እቶም ክኢላታት ኣብዚ ዝምጕቱዎ እቲ ብማሺን ዝፈረየ ሙዚቃዊ ስራሕ ንድምጺ ድሬክን ዘ-ዊክኢንድን ስለ ዝቐድሐ፡ ንፍሉይ ክእለቶም ከም ምቕዳሕ ክርአ ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

ልክዕ ከምዚ ናይ ሎሚ ደኣ ኣይዅን እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ብገለ መልክዑ ተመሳሳልነት ዘለዎ ጉዳያት ተራእዩ ነይሩ። ኣብ 1988 ከምኡ’ውን ኣብ 1993 ክልተ ትካላት ኣመሪካ፡ ንስሙያት ድምጻውያንን ተዋሳእቲን ብዝመስሉ ካልኦት ውልቀ-ሰባት ብዝገበርኦ ምውዕዋዕ፡ ተኸሲሰን ብቤት ፍርዲ መቕጻዕቲ ተወሲኑወን።

ንማሺናት ኣሰልጢንካ፡ ናይ ካልኦት ድምጻውያን ክቕድሓ ምግባር፡ ሕጂ ዝጅምር ዘሎ ስራሕ’ዩ። ክኢላት መሰል ቅዳሕ ድማ እቲ ሕጊ ማዕረኡ ክስጕም ይምሕጸኑ።

እዚ ብሓደ ወገኑ፡ ንስነ-ጥበባኛታት ኣዝዩ ኣሻቓል ዜና’ዩ። ካልእ ጽቡቕ ወገን’ውን ኣይሰኣኖን። ድምጻውያን፡ እናኣረጉን ድምጾም እናተባላሸወን ምስ ከደ፡ ንናይ ቀደም ስራሓቶም ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ከሐድሱዎን ሓደስቲ ደርፍታት ክቐርጹን ክኽእሉ’ዮም።

እዚ ዓውዲ ናበይ ክመርሓና ምዃኑ ግን ንግዜ ዝግደፍ’ዩ።

XS
SM
MD
LG