ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ፡ ኣስታት 450 ስደተኛታት ብሰንኪ ጥምየት ካብ ዝጸንሕሉ መዳጎኒ ማእከል ክወጹ ምግዳዶም ይገልጹ


ኣስታት 450 ኣብ ኣቡ ሰሊም መዳጎኒ ማእከል ዝጸንሑ ስደተኛታት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ብሶሉስ ምሸት ነቲ ማእከል ገዲፎም ክወጹ ምግዳዶም ይገልጹ።

ሊብያዊ ተሓላቒ መሰላት ጣሪክ ላምሎም እቶም ስደተኛታት ንኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ተጓዒዞም ናብቲ ግዝያዊ መዕቖቢ ስደተኛታት ከምዝበጽሑ ይገልጹ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እቲ ግዝያዊ መዕቖቢ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ስደተኛታት ኣዕቑቡ ከምዘሎን ፍርቒ ካብቶም ኣብቲ ማእከል ዘለው ካብ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብነፈርቲ ዝተደብደበ ታጁራ መዳጎኒ ማእከል ዝመጹ ምዃኖም ይገልጽ።

ነቲ ማእከል ዘመሓድሩ አባላት ናይ መንግስቲ ሊብያ ኤጄንሲ እቶም ስደተኛታት ናብቲ ማእከል ከይኣትው ከምዝከልከልዎም’ውን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ’ሎ።

ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ዥንፖል ካቫለሪ (Jean Paul Cavalieri) ኣብ ዝሃብዎ ናይ ጽሑፍ መግለጺ “ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቶም ትማሊ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት መአከቢን መፋነውን ማእከል(GDF) ዝመጹ ኣስታት 200 ስደተኛታት መፍትሒ ንምንዳይ ይሰርሕ ኣሎ። መብዛሕቶም ካብ ኣቡ ሰሊም ዝወጹ ኽኮኑ ከለው ገለ እውን ካብ ካልእ ከተማታት ዝመጹ እዮም። ዋላ’ኳ ንዘሎ በዳሂ ኩነታት እቶም ሰባት ንርዳእ እንተኾነ እቲ ማእከል ካብ ክህዙ ዝክእል 600 ሰባት ንላዕሊ ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ኣስታት 820 ስደተኛታት ኣዕቒቡ ብምህላው ተወሳኺ ሰባት ክዕቑብ ኣይክእልን” ኢሎም።

“ኣብ GDF ዘንቆልቁል ዘሎ ኩነታት ነቲ ኣብታ ቦታ ዘሎ ትሕቲ ቅርጽን ኣገልግሎታትን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብምምጣጡ ኣብቲ ቦታ ተወሰኽቲ ስደተኛታት ንክንቕበል ኣጸጋሚ ጌሩዎ’ሎ። ኣብቲ ቦታ ዘለው ተአፈፍቲ ዝኾኑ ስደተኛታት እውን ብህጹጽ ካብዚ ቦታ ክወጹ ወይ’ውን ናብ ካልእ ቦታ ክጣየሱ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምፍላጡ ይዝከር” ኢሎም።

አባላት’ቲ ትካል ካብቶም ስደተኛታት ምስ ዝተወከሉ ጉጅለ ስደተኛታት ምዝርራቡ’ውን ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ዥን ፖል ካቫለሪ ኣብ ዝሃብዎ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ሓቢሮም ኣለው።

ኣሶሴይትድ ፕረስ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ናብ ኣቡ ሰሊም ወይ ናብ ካልኦት መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ክምለሱ ከምዝሓበርዎም ገሊጾም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓደ ጉጅለ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባትን 14 ግብጻዊያን ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ኣብ ዝፈተንሉ ብሶሉስ ኣብ ከተማ ሲትሪ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ወሃቢ ቃል ሓይሊ ምክልካል ከተማ ሲትሪ ጣሃ ሃዲዲ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG