ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብሰንኪ ግጭት ዕጡቓት ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሕ/ሃ ሃዲሞም


ኣብ ዋና ከተማ ሊብያ ብዝተላዕለ ግጭት ካብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝሃደሙ ስደተኛታት ብሶሉስ ናብ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ካልእ መዕቖቢ ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብታ ሃገር ዝርኸብ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ብሶሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተዋጋእቲ ወገናት ስምምዕ ተኹሲ ደው ንምባል ምፍርራሞም ሓቢሩ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ ብተወሳኺ በቲ ግጭት ኣስታት 50 ሰባት ምሟቶም ገሊጹ’ሎ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብሰንኪ ግጭት ዕጡቓት ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሕ/ሃ ሃዲሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:27 0:00

“ እቶም ስደተኛታት ኣብ ጎደናታት መጠር ዝተባህለ ቦታ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ብዝተላዕለ ግጭት ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሓምዛ ሃዲሞም ናብ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዝርከብ ኪርምያ ዝተባህለ ኣውራጃ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ ከምዝኸዱን ካብኡ ድማ ብሶሉስ ናብዚ ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከብ ካልእ መዓስከር ስደተኛታት ተመሊሶም ኣለው” ክብል ኣሕመድ ካሙን ዝተባህለ አባል ጸጥታ ሊብያ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሊብያ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ንዝስደዱ ስደተኛታት ቀንዲ መናሃሪ ቦታ ኮይና ምጽንሓ ይፍለጥ።

ካብቶም ስደተኛታት ሓደ ኤርትራዊ ዑመር ዓብዱላሂ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ከምዚ ይብል።

“ተኹሲ ለይቲ’ዩ ጀሚሩ። ሓሙሸተ ሰባት ተሃሪሞም፡ ንግሆ ድማ ክልተ ካልኦት ተሃሪሞም።ክፍሊ መሕጸቢ ሰብነት የብሉን። ንኣርባዕተ ሓሙሽተ መዓልታት ኣይተሓጸብናን። ንኣመሓዳሪ’ቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ብዛዕባ’ዚ ሓቲትና ኔርና ግን መልሲ ኣይሓበናን። ስለዚ ሃዲምና ናብዚ እንዳመጻእና’ውን ሓደ ተሃሪሙና’ዩ”ይብል።

መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት መራኽቦም ካብ ማእከላይ ባሕሪ ብሓለዋ ባሕሪ ተታሒዘን ናብ ሊብያ ዝተመልሱ እዮም።

ግጭት ኣብ መንጎ ዕጡቓት ካብ ዝጅምር ካልኣይ ሰሙኑ የቑጽር ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት እቶም ዕጡቓት ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ምፍርራሙ እንተገለጸ እቲ ስምምዕ ብኸመይ ከምዝትግበር ዝፍለጥ ነገር የለን ምክንያቱ ኣቐዲሞም ዝተበጽሑ ስምምዓት’ውን ዘይምትግባሮም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG