ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሱዳናዊያን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም


ፋይል.
ፋይል.

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሱዳናዊያን ሎሚ ዓርቢ ድሕሪ ጸሎት ኣብ ኣፍደገ ዓበይቲ መሳጊድ ከተማ ካርቱም ብምትእኽካብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም። ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንሮይተርስ ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ኣብ ኡምዱርማንን ቡሪን ከባቢታት ከምዝተኻየደ እቶም መሰኻኽር ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ ሃገር ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣዊጆም፥ንሰበ ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ ምቕያሮምን ፍቓድ ዘይብሎም ህዝባዊ ምትእኽካብ ምክልካሎምን ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብያተ ፍርዲ እታ ሃገር ኣብ ሰዓታት ምሸት ንጉዳያት ምስ ተቓውሞ ዝተ ኣሳሰር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ሰባት ይርእያ ምህላዋን ንዜጋታት’ታ ሃገር ዝያዳ ከምዘቆጠዖምን ጠንቂ ተወሳኺ ተቓውታት ኣብ ኣፍደገ ኣብያተ ፍርዲ ኮይኑ ከምዘሎ ተገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG