ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኢራን ዝድገፍ ሚሊሺያ ኣብ ኤምባሲ ባቕደድ ሰልፊ ንዘካይዱ ደገፍቶም ክስሕቡ ኣዚዞም


ኣብ ዒራቕ ላዕለዎት መራሕቲ ብኢራን ናይ ዝምራሕ ሚሊሺያ ንኤምባሲ ኣሜሪካ ከባቢቦም ንዝነበሩ ደገፍቶም ካብቲ ቦታ ክስሕቡ ትማሊ ረቡዕ ኣዚዞም።ነፈርቲ ኣሜሪካ ንኣባላት ኣብ ዒራቕ ዝንቀሳቐስ ሚሊሺያ ድሕሪ ምቕታሎም ሰልፈኛታት ኣብ ጥቓ እቲ ኤምባሲ ንዝነበሩ መካይን ኣቃፂሎም፤ናይ ሓለዋ ካሜራታት እውን ሰይሮም።

ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ካብ ኩዌት ብምብጋስ ባቕዳድ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ምስ ኣተው ላዕለዎት መራሕቲ ብኢራን ዝድገፍ ሚሊሺያ ካብቲ ኤምባሲ ክስሕቡ ንደገፍቶም ኣዚዞም።

ኣብ ልዕሊ ቀፅሪ እቲ ኤምባሲ ሄሊኮፕተራት ክዘራ ተራኢየን ኣለዋ።መራሕቲ እቲ ሚሊሽያ ግን ክንስሕብ ዘገደደና የለን ኢሎም።ወሃቢ ቃል ካታይብ ሂዝቦላህ መሓመድ ሞሂ ከምዚ ኢሎም።

“ነፈርቲ ኣብ ልዕሌና እንተበራራ እውን ኣይግድሰናን፤ኣሜሪካ ተወሰኽቲ ወታደራት ተምፅእ ኣላ ዝብል ዜና እውን ዘገድሰና ኣይኮነን።ብኣንፃሩ እዚ ዝሕብሮ ነገር እንተሃለወ ምምሕዳር ኣሜሪካ ስነ ኣኣምሮኣዊ ስዕረትን ናይ ኣእምሮ ምርባፅን ዘርኢ እዩ”ኢሎም።

ሰበስልጣን ኣሜሪካ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ግብረ መልሲኣብ ልዕሊመኽዘናት ኣፅዋርን መአዘዚ ኑቑጣታትን ካቲብ ሂስቦላህ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲን ዝተቐትለ ኮንትራት ሰራሕተኛ ምክልኻል ኣሜሪካ’ዩ ኢሎም።ሓሙሽተ ትካላት ዒላማ ምዃኖም እውን ተፈሊጡ’ሎ።

“ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ኣሜሪካ መጥቓዕቲ ክፍፀም ዝመርሐቶ ኢራን እያ።ምሉእ ብምሉእ ተሓተቲት እያ’’ ክብሉ ፕረዚደንት ትራምፕ ብሶሉስ ብቲዊተር ኣብ ዝልኣኹአዎ ፅሑፍ ሓቢሮም።

ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት እውን ፕረዚደንት ትራምፕ ንሶም ሰላም ከምዝደልዩ ብምግላፅ ኢራን ግን ሰላም ኣይትደልን ዘላ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG