ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኮንግረስማን ክሪስ ስሚዝ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣመሪካ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ተዘራሪቡ


ኣሜሪካን ካልኦት ዲሞክራሲያዊያን ሃገራትን ንቀዳማይ ሚንስተር አብይ ኣሕመድን ምምሕዳሮምን ደገፎም ከምዝህቡ አባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ክሪስ ስሚዝ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ብኣመራርሓ’ቶም ቀዳማይ ሚንስተርን ምምሕዳሮምን ዝለዓለ ምምሕያሽ ይግበር ከምዘሎን ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ተሓታትነትን HR 128 ዘርቀቁ ክሪስ ስሚዝ ገሊጾም።

ኮንግረስማን ክሪስ ስሚስ ኣብ ኢትዮጵያ ይረአ ንዘሎ ለውጢ’ውን ንኢዶም ኣለው።

ሎሚ ንግሆ አዲስ አበባ ዝአተው ክሪስ ስሚዝ ነዚ ዝገለጹ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ድሕሪ ምዝርራቦም’ዩ።

ብኮንግረስማን ክሪስ ስሚዝ ዝምራሕ ልኡኽ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ተራኺቦም ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊ ጉዳያት ምዝርራቦም’ውን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ፍጹም አረጋ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG