ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብቻይና ዝሰግአት ታይዋን ሃገራዊ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ናብ ዓመት ክብ ተብሎ


ብወገን ቻይና ቀጻሊ ወታሃደራዊ ምትዅታዅን መናውራታትን ይካየደላ ከም ዘላ እትገልጽ ደሴት ታይዋን፡ ነቲ ስግኣት ንምክልኻልን ሓይላ ንምሕያልን ኣርባዕተ ወርሒ ዝነበረ ገደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ዓመት ክብ ከም እተብሎ ብመገዲ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣፍሊጣ።

እዚ መደብ ካብ ዓመተ 2024 ኣትሒዙ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ዝሓበረት ፕረዚደንት ጸይ ኢንግወን (Tsai Ing-wen)፡ እታ ሃገር ወታሃደራዊ ሓይላ ምስ እተደልድል ጥራይ ሰላማ ከተውሕስ ከም እትኽእል ተዛሪባ።

እታ ፕረዚደንት ወሲኻ እቲ ሕጂ ዘሎ ወታሃደራዊ ታዕሊም ምስቲ ክመጽእ ዝኽእል ወራር ከም ዘይመጣጠን ብምምልካት፡ ዝሓየለን ዝተራቐቐን ወታሃደራዊ ስልጠን ክህቡ ኣብ ምድላው ከም ዘለዉ ኣመልኪታ። ወሲኻ ፕረዚደንት ጸይ፡ ምሕያል ወታሃደራዊ ታዕሊም ንደሞክራሲን ሲቪላዊ ምምሕዳርን እታ ደሴት ከም ዘይንትንክፎ ገሊጻ።

ቻይና ነታ ኣካላ ምዃና እትገልጻ ደሴት ታይዋን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣትሒዛ ኣዝዩ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣብ ወሰናስና ትገብር ምህላዋ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG