ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብቱሪዝም ትፍለጥ ከተማ ሃዋሳ ቫይረስ ኮሮና ንቁጠባኣ ከምዝሃሰዮ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ብቱሪዝም ትፍለጥ ከተማ ኣዋሳ፥ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ቁጠባኣ ብከቢድ ከምዝተጎድኤ ምምሕዳር `ታ ከተማ ይገልጽ ኣሎ። ዓበይቲ ሆቴላታን ናእሽቱ ኣብያተ ንግድን ምዕጻዎም ካብ በጻሕቲ ዝርከብ ኣታዊ ኮነ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ብኸቢድ ከም ዝጎድኦ ዝገልጸ ምምሕዳር ኣዋሳ፥ ነቲ ዝዘሓለ ቁጠባ ንምብርባር ዘኽእል መጽናዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገን ነቲ ቫይረስ ናይ ምክልኻል ስራሕ ይቕጽል ምህላዉን፥ ህዝቢ ድማ ሽሕ`ኳ ንእገዳ ምንቅስቓስ ዕሽሽ ይብሎ እንተሃለወ- ምሽፋን ኣፍንጫን ኣፍን ግን እናለመዶ ምምጽኡ ምኽትል ከንቲባ ከተማ ሃዋሳ ኣቶ ጥራቱ በየነ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ`ሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG