ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብቫይረስ ኮሮና ኣዝያ ዝተጠቕዓት ከተማ በርጋሞ ኢጣልያ ምምሕያሽ ከምዝተራእየ ተገሊጹ


ኣብ ጣሊያን ብኮሮናቫይረስ ኣዚያ ኣብ ዝተጠቕዐትን ማእኸል ናይቲ ለበዳን ኣብ ዝኾነትን ከተማ በርጋሞ እቲ ሕማም ናይ ምህዳእ ምልክታት የርኢ ከምዘሎ ተፈሊጡ። እቲ ቫይረስ በዚ ቕፅበት ከመይ ከምዝተዘርግሓ ተዓዘብቲ ዝተረዱዎ ይመስሉ።

ሓላፊ ማሕበር ሓኻይም ከተማ በርጋሞ ጉዶ ማሪኖኒ ኣብ ጥሪ ኒሞኒያ ከም ኖቪል ኮሮናቫይረስ ኣፍልጦ ብዘይምርካቡ ሓካይም እኹል መከላኸልን ጥንቃቐን ኣይገብሩን ነይሮም ይብሉ።ካብ ምንቅስቓስ ዕፁዋት ክኾኑ ዝግብኦም ከባቢታት ስለዘይተገብሩ እቲ ቫይረስ ዝርጋሕ ክኢሉ ይብሉ። ማሪኖኒ ወሲኾምንሓካይም ምምርማር ዝተጀመረ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምዃኑን ሎሚ እውንብዙሓት ሓካይም ግቡእ መከላኸሊ ከምዘይብሎምን ይዛረቡ ።ትኽክለኛ ቁፅሪ ናይ ዝሞቱን ዝተለኸፉን ካብቲ ብወግዒ ይግለፅ ዘሎ ንላዕሊ እዩ ይብሉ ዶክተር ማሪኖኒ ምኽንያቱ ድማ እቲ ዝገለፅ ዘሎ ኣብ ሆስፒታል ዝሞተን ዝተመርመረን ስለዝኾነ ከይተመርመረ በብገዝኡን ኣብ ናይ ዓበይቲ መከናኸኒ ትካላትን ዝሞቱ ስለዘይሃውስ እዩ ኢሎም።

ኣብ በርጋሞ ኣስታት ሽድሽተ ሽሕ ዓበይቲ ወይ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣለው ካብኦም ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብ ዕድመ ምሟቶም ማሪኖኒ ሓቢሮም።

ምልክታት ምውራድ ቁፅሪ ሓደሽቲ ዝልከፉ ብዝወረደ መጠን ቀስ እናበለ ናብ ስሩዕ ህይወት ምምላስ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ወይ ዝተወሸቡ ግን ብዝግባእ ምምርማር እናረጋገፅካ ኢሎም።

ማሪኖኒ ብምውሳኽ እቲ ህፁፅ ኩነታት ግን ኣብ ጣሊያን ንኣዋርሕ ክቕፀል እዩ ክብሉ ተንቢዮም ኣለው ።ነቲ ቫይረስ ምጥፋእ ኣብ ናይ ሰባት ባህሪያትን ናይ ምምርማር ፃዕሪታትን ዝተመስረተ እዩ ኢሎም ።

እቲ ሓቂ ግን ኢሎም ንሶም ክታበት እንተድኣ ተረኺቡ ጥራሕ እዩ እቲ ፀገም መሊኡ ክጠፍእ ዝኽእል ኢሎም።

XS
SM
MD
LG