ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብቕትለት ህቡብ ድምጻዊ ኣርቲስት ሃጫሉ ተጠርጢሩ ክድለ ዝጸንሐ ውልቀሰብ ተታሒዙ


ብቕትለት ህቡብ ድምጻዊ ኣርቲስት ሃጫሉ ተጠርጢሩ ክድለ ዝጸንሐ ከበደ ገመቹ ተታሒዙ።

ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ትማሊ ምሸት ፥ እቲ ተጠርጣሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ `ድሬ` ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ብፖሊስ ምትሓዙ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ፥ ፈደራል ፖሊስን ኣባላት ስለያን ድሕነትን ምስ ነበርቲ ብዝገብርዎ ምውህሃድ እቲ ሰብ ክትሓዝ ከም ዝኸኣለ ጠቕላሊት ዓቃቢት ሕጊ ወ/ሮ ኣዳነሽ ኣቢቤ ኣፍሊጣ`ላ። ንሳ ኣቐድም ኣቢላ፥ እቲ ብቐጥታ ብምትኳስ ዝድለ ዝነበረ ቀዳማይ ተጠርጣሪ ጥላሁን ያሚ፥ ከምኡ ድማ ካልኣይ ተሓባባሪ ኣብዲ ኣለማየሁ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዝኣተዉ ሓቢራ`ያ።

ብተወሳኺ ቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት ተኻይድሉ ኔሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ታከለ ኡማን ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ሺመልስ ኣብዲሳን ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባውያንተረኺቦም ኔሮም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዜና ኣቶ በቀለ ገርባን ኣቶ ጃዋር መሓመድን ዝርከብዎም 16 ተጠርጠርቲ ሎሚ ኣብ ፈደራል ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም ኔሮም።

ቤት ፍርዲ ካብ መርመርትን ተኸሰስትን ድሕሪ ምስማዕ ፖሊስ ዝሓተቶ ናይ 14 መዓልታት ቆጸራ ንምውሳን ንዝመጽእ ሰሙን ተለዋጢ ቆጸራ ሂቡ`ሎ።

ሎሚ ምስ በዓል ኣቶ በቀለ ገርባ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ካብ መንጎ 10 ዓጀብቲ ኣቶ ጃዋር 9 ዝቐረቡ ክኾኑ ኸለዉ፥ ክልተ ደቂ ኣቶ በቀለ ገርባ`ውን ቀሪቦም ኔሮም።

ፖሊስ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘካየዶ መርመራ ምስዚ ብዝተሓሓዝ፥ 10 ክላሽ፥ 9 ሽጉጥን ናይ ሬድዮ መራኸብን ምሓዙ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብመሰረት ሓበረታ መንግስታዊ ሚድያ ተኸሰስቲ ተወሳኺ ግዜ ክውሃብ ኣይግባእን ዝብል መቃዊሞኦም ምንባሮም ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG